እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ናብ ህዋ ልኢኻ ፈላሚ ፊልም እተስርሖም ሰብ ሞያ ሓርያ
ሩሲያ፡ ኣብ ዓለምለኸ መደብር ህዋ ከይዶም ኣብ ህዋ ፈላማይ ዝተባህለ ቐረጻ ፊልም ዘሳልጡ ፍልጥቲ ተዋሳኢትን ተሸላሚ ዳይሬክተርን ሓርያ።
ጓል 36 ዓመት ዩሊያ ፐረሲልን ወዲ 37 ዓመት ክሊም ሺፔንኮን 5 ጥቅምቲ 2021 ብሮኬት ሩሲያ ናብ ህዋ ክጉዓዙ'ዮም።
እቲ ድራማ ብድሆ ዝብል ኣርእስቲ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ኤጀንሲ ህዋ ሩሲያ፡ በዚ ቐረጻ ኣቢሉ እቲ ህዋ ንብዙሓት ሰባት ይኽፈት ምህላው ከርኢ ከም ዝደለየ ገሊጹ።
ናሳን ተዋሳኢ ቶም ክሩዝን'ውን ኣብ መደብር ህዋ ፊልም ንምስራሕ መደብ ኣለዎም።
እዚ ዝሓለፈ ዓመት ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ሆሊውድ ፊልም መዓዝ ከም ዝቕረጽ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ክሩዝ ግን ምስ ዳይሬክተር ዓለምለኸ መደብ ህዋ ዱግ ሊማን ከም ዝኸይድ ተፈሊጡ ኣሎ።
ናሳ ከኣ፡ ሮኬት ኤለን ማስክ ስፔስኤክስ [SpaceX] ኣካል እቲ ልኡኽ ከም ዝኸውን ሓቢሩ።
ኤጀንሲ ህዋ ሩሲያ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ሩሲያ ምስ ኣመሪካ ኣብ ሓድሽ ዓይነት ንሕንሕ ህዋ ተጸሚዳ ከይትህሉ ዝብሉ ግምታት የልዕል ኣሎ።
ሩሲያ ብዛዕባ እቲ ፊልም እንታይ'ያ ኢላ?
ዩሊያ ፐረሲልን ክሊም ሺፔንኮን ስነጥበብ፤ ሕክምናውን ካልኦት ረቛሒታት ምርጫን ከም ዝሓለፉ ገሊጹ።
ናብ ህዋ ዝገብሩዎ በረራ ከኣ ሓደ ሰነ 2021 ከም ዝጅምርን ስልጠና ፓራሹት፣ ባዶ ስሕበትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሩ።
ማዕኸን ዜና ሩሲያ ኣርኣይኤ ከም ዝጸብጸበቶ፡ እቲ ፊልም ታሪኽ ልኡኽ ሓንቲ በዓልቲ ሞያ ሕክምና መጥባሕቲ ኮይኑ ኣብቲ ህዋ ንዝሓመመ ጠፈርተኛ መጥባሕቲ ክትገብርን ብቕልጡፍ ናብ መሬት ክትምለስን ዘጋጥማ መዋጥር ዝትርኽ'ዩ።
ኣብዚ ፊልም ንምስታፍ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክኢላታት ከመልክቱ እንከለው፡ ተዋሳኢት ዩሊያ ፐረሲልን ን19 ደቂ ኣንስትዮ መወዳድርታ በሊጻ ብምውጻእ ነዚ ልኡኽ ክወሃባ ክኢሉ።
ሙሉእ ወጻኢ እዚ ፕሮጀክት መንግስታዊ ቴሌቪዥን ሩሲያ ቻነል ዋን ክሽፍኖ'ዩ።
ፈጻሚ ስራሕ ኤጀንሲ ህዋ ሩስያ ሮስኮስሞዝ ዲመትሪ ሮጎዚን ከምኡ'ውን ዳይሬክተር ቴሌቪዥን ቻነል ዋን ኮንስታንቲን ኤርነስት መሻርኽቲ ኣዳለውቲ እቲ ፊልሚ ክኾኑ'ዮም።
ዩሊያ ፐረሲልን ኣብ ብዙሓት ድራማታት ሩሲያ እትፍለጥ ናእዳ ፌደሬሽን ሩሲያ ዝረኸበት ህብብቲ ተዋሳኢት እያ።
ኤጀንሲ ህዋ ሩሲያ ቢልየነር ጃፓናዊ በዓል ሞያ ቅዲ ክዳን ታይኮን ዩሳኩ ሜዛዋ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ን12 መዓልታት ናብ ዓለምለኻዊ መደብር ህዋ ክኸይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ቢልየነር፡ መስራቲ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኩባኒያ ክዳውንቲ ዞዞ ኮይኑ ዘመናዊ ስራሕቲ ስነ ጥበብ ብምእካብ ይፍለጥ።
ጃፓናዊ ክኢላ ካሜራ ዮዞ ሂራኒን ሩሲያዊ ጠፈርተኛ ኣሌክሳንደር ሚሱርኪንን ሓቢሮምዎ ክጉዓዙ'ዮም።
ሩሲያ፡ ብ2009 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ዓለምለኻዊ መደብር ህዋ በጻሕቲ ልኢኻ ነይራ።
ቢልየነር ሜዛዋ ካብ ጃፓን ናብ ህዋ ዝኸደ ፈላሚ ሰብ እዩ።