እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ ብልጽግና፡ 'ናይ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ተባሂሉ ዝተቓለሐ ድምጺ ሕሶት'ዩ'
ውድብ ብልጽግና፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድምጺ ተባሂሉ ዝተቓለሐ ድምጺ፡ ኮነ ተባሂሉ ብሕሶት ዝተዳለወ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ውድብ ወሲኹ'ውን፡ "ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ዓድን ዝርከቡ ሓይልታት፡ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ጥርጣረ ንምፍጣር ኮነ ኢሎም ብሕሶት ዘዋደድዎ እዩ" ኢሉ ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ውድብ ብልጽግና፡ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፡ እቲ ድምጺ ካበይ ተቖሪጹ ከምዝተላገበ ሙሉእ መረዳእታ ዕላዊ ከምዝግበር ድማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኬሎ ሚድያ ዝተብሃለ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ መራከቢ ብዝሓን፡ ትማሊ ምሸት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኣኬባ ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ብልጽግና ዝተዛረቦ ብምስጢር ዝተቐድሐ ዝበሎ ድምጺ ኣቃሊሑ ነይሩ።
ኣብቲ ዝተቓለሐ ድምጺ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር፡ ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ'ውን እንተኾነ፡ እቲ መረጻ ክናዋሕ ድሌት ውድብ ብልጽግና ከምዝነበረ፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከምዝደልን፡ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ብኣግኡ ከምዝተዓወተን ይገልጽ።
ኣብቲ ተቐዲሑ ዝተብሃለ ድምጺ፡ "ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ዝኾነ ሰብ መንግስቲ ክምስርት ኣይክእልን። ስልጣን ካብ ዘረክቦም እንተዝመውት ይመርጽ" ይብል።
እዚን ካልእን ዝሓዘ እቲ ርእይቶ፡ ብጣቐዒት ዝተሰነየ እዩ።
እዚ ኣመልኪቱ መግለጺ ዘውጸአ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ድምጺ ካብ ዝተፈላለዩ ዘረባታት እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ተወዲዱ፤ ተበታቲኹ ብምልጋብ መልክዕ ዝተሰርሐ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኢትዮጵያውያን፡ ናይ ከምዚ ዓይነት ናይ ሕሶት ወፍርታት ግዳይ ከይኾኑ'ውን ኣጠንቂቑ።
ውድብ ብልጽግና ብወገኑ፡ "እቲ ድምጺ ኣቦ መንበርና ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተዛረቦ ሓንቲ ቃል'ኳ ኣይርከቦን" ብምባል ካብ ዝተፈላለዩ ዘረባታት ተለጋጊቡ ዝተዋደደ ምዃኑ ገሊጹ።
ዶ/ር ብቂላ፤ እኳ ድኣስ እቲ ተበታቲኹ ዝተለጋገበ ድምጺ ብቀሊሉ ዝፍለጥን ክእለት ብዘይብሉ ሰብ ዝተስርሐን ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።
"እቲ ድምጺ ካብ ሓደ ቦታ ዝተወስደ ኣይኮነን። በዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት፤ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዛረቦን ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተሓላለፈን ቖሪጹካ ብምልጋብ ሙሉእ ሓሳብ ንምስራሕን ንምምሳልን እዮም ፈቲኖም" ኢሉ ዶ/ር ቦቂላ።
ኬሎ ሚድያ ግን፡ ብውሳንኡ ዝጸንዐ ኾይኑ፡ እቲ ድምጺ ሓቂን ዘይተሰነዐን ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። ቢቢሲ፡ እቲ ድምጺ ሓቂ ድዩ ዝተሰነዐ ባዕሉ ብዘይሻራዊነት ከጻርዮ ኣይከኣለን።
ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መረጻ ክልተ ግዜ ከምዝተናወሓን፡ ሰነ 21'ን ክካየድ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን ይፍለጥ።