ማሊ፡ ንመራሒ ዕልዋ መንግስቲ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ገይራ ሸይማ

ቤት ፍርዲ ማሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ እታ ሃገር ንዝመርሐ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ፕረዚደንት መዘሰጋጋሪ መንግስቲ እታ ሃገር ክኸውን ሸይሙ።

ኮሎኔል ጎይታ ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ንገዛእ ርእሱ ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ማሊ ከም ዝኾነ ኣዊጁ ነይሩ።

ማሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዘጋጥማ ዘሎ ኣብ ውሽጢ 9 ኣዋርሕ ንካልኣይ ግዜ ምዃኑ’ዩ።

እቲ ቅድሚ 9 ኣዋርሕ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ’ውን እንተኾነ ብኮሎኔል ጎይታ ዝተፈጸመ ኮይኑ ነቲ ብመረጻ ናብ ስልጣን ዝደየበ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቦቡከር ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣገዲድዎ እዩ።

ቤት ፍርዲ ማሊ እቲ ናይ ትማሊ ውሳነ ብምኽንያት “ንፕረዚደንትነት ዝወጽአ ምልክታ” ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ነታ ሃገር ብስቪሊያዊ ምምሕዳር ከሰጋግርዋ እዮም ተባሂሉ ተስፋ ዝተገበረሎም ፕረዚደንት ባህ ንዳውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሙክታር ኡኔን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተሓቢሩ’ሎ።

ክልቲኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተዉ መራሕቲ ናይታ ሃገር መሪሕነቶም ፍረ ከፍሪ ከም ዘይከኣለን “እኳ’ድኣስ ስግግር መንግስቲ ማሊ ክጨውዩ ፈቲኖም እዮም” ክብል ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ መራሒ ዝኾነ ኮሎኔል ጎይታ ገሊጹ።

እቶም መራሕቲ ካብ ስልጣንና ብገዛእ ፍቓድና ገዲፍና ኣለና ዝብል ፊርማ ምስ ፈረሙ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም።

ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ማሊ ትማሊ ዓርቢ ብዝወሰኖ ብይን መሰረት ኮሎኔል ጎይታ፡ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ናይታ ሃገር ተረኪቡ ንማሊ ከሳግራ ምሉእ ሓላፍነት ተዋሂብዎ’ሎ።

እቲ ኮሎኔል ናብዚ ንካልኣይ ግዜ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ መሪሕዎ ዘሎ "ሓደ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዓይ እንከይኣማኸረ ናይ ካቢኔ ኣባላት ለውጢ ኣካይዱ፤ ካልኣይ ድማ ኣነ ምክትል ፕረዚደንት ኮይነ ክስየም ነይሩኒ” ዝብል እዩ።

ካልኦት ክልተ ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ዝተሳተፉ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ውን ኣብዚ ናይ ቅድሚ ሰሙን ዝተገበረ ናይ ስልጣን ድልድል ስርሖም ምስኣኖም ካልእ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ኮሎኔል ጎይታ በትረ ስልጣን ምስጨበጠ ንህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ፈላማይ መደረኡ ነቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ፍትሓዊ እዩ ክብል ተሰሚዑ።

ንሱ “ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ሃገርን ድሕነትን ማሊ ክልተ መርጫ ነይሩና። ስርዓት ኣልቦነት ወይ ከዓ ጥምረት፤ ንሕና ድማ ነታ ጥምረት ኢና መሪጽና” ክብል ተዛሪቡ።

ኣስዒቡ’ውን “ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝምረጽን መረጻ ድማ በቲ ኣቐዲሙ ተታሒዝሉ ዝነበረ መደብ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክካየድ ምዃኑ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።