ኦሃዮ፡ ፈላመይቲ ተዓዋቲት ሎተሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ሓደ ሚሊየን ዶላር ተሸሊማ

ኣመሪካዊት ግዝኣት ኦሃዮ፡ ተዓዋቲት ናይቲ ክታበት ኮቪድ-19 ንዝወሰዱ ሰባት ዘዳለወቶ ሎተሪ ኣፍሊጣ።

ተዓዋቲት ናይቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዘሸልም ሎተሪ 'ቫክስ-ኤ-ሚልየን' ዝኾነት ተቐማጢት ሲንሲናቲ ኣቢጋይል ቡገንስክ ዝተባህለት ውልቀሰብ ምዃና ተገሊጹ።

'ተዓዋቲት ከኸውን እየ' ዝብል ትጽቢት ከም ዘይነበራ ዝተዛረበት ኣቢጋይል ንኣዲኣ ብምድዋል እንታይ ከም ዝገብር ሓርቢቱኒ ከም ዝበለታ ተዛሪባ።

ነቲ ክታበት ዝወሰደቶ፡ ነቲ ሎተሪ ክትዕወተሉ ብምሕሳብ ከም ዘይኮነ'ውን ገሊጻ።

ኣብ ካልእ መርሃ ግብሪ ከኣ፡ ጆሴፍ ካስቴሎ ዝተባህለ ኮተቴ ነባሪ ዳይተን ናይ መጀመርታ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ኮቪድ ተዓዊቱ።

እቲ ነበርቲ ክታበት ኮቪድ ኽወስዱ ንምትብባዕ ዝዓለመ ተበግሶ ኣብዚ ወርሒ እዩ ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ረቡዕ መዓልቲ፡ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ተዓወትቲ ሓደ ሚልዮን ዶላርን ናጻ ዕድል ትምህርቲ ኮሌጅን ክፍለጡ እዮም።

ኣብዚ ዕጫ ሎተሪ ንምስታፍ 2.7 ሚሊየን ክታበት ዝወሰዱ ነበርቲ ተመዝጊቦም።

ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ኮተቴ ድማ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ናጻ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብ ኣብቲ መርካ ግብሪ ተኻቲቶም።

ኣባል ሪፓብሊካን ኣመሓዳሪ እታ ክፍለሃገር ማይክ ድወይን ብ 12 ግንቦት እዩ ነቲ ሎተሪ ኣጀሚርዎ።

ምጅማር እቲ ሎተሪ ብዙሓት ነበርቲ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ ከም ዘበራትዐ ቤት ጽሕፈት እቲ ኣመሓዳሪ ኣሃዛት ብምጥቃስ ገሊጹ።

ምምሕዳር ባይደን ሰባት ክታበት ንክወስዱ ንምትብብባዕ ብዝብል ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ክንእዶ እንከሎ፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ግን ኣድላዪ ዘይኮነ ብኽነት ገንዘብ እዩ ክብሉ ተቓዊሞምዎ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ኒውዮርክ፣ ሜሪላንድ፣ ኦሪገንን ኮሎራዶን'ውን ተመሳሳሊ መርሃ ግብሪ ተጀሚሩ እዩ።