ኣሜሪካ ምንጪ ኮቪድ 'ግልጽነት ዝተመልኦ' ምርመራ ንክካየድ ንውድብ ጥዕና ዓለም ሓቲታ

ሚንስትሪ ጥዕና ኣመሪካ እቲ ምንጪታት (መቦቆል) ኮቪድ-19 ንምፍላጥ ዝካየድ ቀጻሊ ምዕራፍ ምርመራ "ግልጽነት ዝተመልኦ" ክኸውን ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ ብደረጃ ሚንስትራት ዝተኻየደ ኣኼባ ውድብ ጥዕና ዝተረኸበ ሚንስተር ጥዕና ኣመሪካ ዣቪየር ቤሴራ፡ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ንምንጪ ኮሮናቫይረስ ክግምግሙ ፍቓድ ክረኽቡ ይግባእ ኢሉ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ቤተ-ፈተነ ምውጽኡ ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ከም ዘመልክቱ ማዕኸናት ዜና ኣመሪካ ይጽብጽባ።

ኮቪድ-19 ንፈለማ እዋን ብ2019 ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁቤይ ከተማ ዉሃን ከም ዝተረኣየ ይዝከር።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ ልዕሊ 167 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ብምርመራ ክረጋገጽ ከሎ ብደረጃ ዓለም 3.4 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ተመራመርቲ ቻይና ብምዃን ንምንጪ ኮቪድ-19 ኣመልኪቶም ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ ጸብጻብ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ላብራቶሪ ከም ዝጀመረ ንዝገልጽ ሓሳብ "ኣዝዩ ዘይመስል" ክብሉ ተቓዊዎም'ዮም።

ቀጻሊ መጽናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ውድብ ጥዕና ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምንጪታት ስለላ ኣሜሪካ ግን ቻይና ብሓድሽ ዓይነት ሕማም ዝተትሓዘ ፈላሚ ሰብ ወግዓዊ ቅድሚ ምግባራ ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ቫይረሳት ዉሃን ['ኢንስቲትዩት ኦፍ ቫዮሮሎጂ'] ካብ ዝሰርሑ ተመራመርቲ ሰለስተ ሰባት ኣብ ወርሑ ሕዳር 2019 ናብ ሆስፒታል ምእታዎም የመልክቱ።

መንግስቲ ቻይና ግን ነዚ ሓሳብ ብቑጠዐ ብምቅዋም እኳ ደኣስ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ቤተ ፈተነ ዝወጽአ ክኸውን ከም ዝኽእል ክሕብር ጸኒሑ።

ሚንስትር ጥዕና ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣኼባ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ንስም ቻይና ኣይጠቐሰን።

ሃገሩ ግን ካብቲ ዝካየድ ቀጻሊ ምርመራ ብዙሕ ከም እትጽበይ ሓቢሩ።

"ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ህይወትና ዓመታት ጥራሕ ኣይኮነን ኣጉዲሉ፤ ሚልዮናት ህይወት'ዩ በሊዑ" ኢሉ እቲ ሚንስተር ጥዕና።

ካልኣይ ዙር ምጽራይ ከኣ "ግልጽነት ዝተመልኦን ንሳይንስ መሰረት ዝገበረን ከምኡ ድማ ዓለምለኸ ተመራመርቲ ንምንጪ እቲ ቫይረስን ኣብ ፈላሞት መዓልታት እቲ ለበዳ ንዝነበረ ኩነታታን ብነጻነት ዝምርምሩሉ ዕድል ዘፍቅድ ክኸውን ኣለዎ" ክብል ገሊጹ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም "ብሞያ ዝተሓገዘ፣ ካብ ኣእታውነት ኢድን ፖለቲካን ነጻ ዝኾነ ግምገማ መንቀሊ እቲ ለበዳ" ከምዝጽበ ትማሊ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ረኽስን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ጥዕና ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝኾነ ኣንቶኒ ፋውሲ፡ እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ናብ ሰባት ከም ዝተሰጋገረ መርገጺ'ኳ እንተሓዘ ኣብዚ ወርሒ ድማ እቲ ለበዳ ብባህርያዊ [ተፈጥሮኣዊ] መገዲ ከም ዘይመጽአ ኣሚኑ'ሎ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ እቲ ቫይረስ ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ቫይረሳት ከም ዝመዓበለ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ቫይረስ ካብ ቤተፈተነ ዝወጽአ ምዃኑ ዘመልክት ሓበሬታ ብዙሕ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብዙሓት ማዕኸናት ዜና ኣመሪካ'ውን ንዘረባ ትራምፕ ሓሶት ክብላ ነጺገንኦ።

ትራምፕ ትማሊ ናብ ኒውዮርክ ፖስት ብኢመይል ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ "ነዓይ ካብ መጀመርትኡ ቅሉዕ ነይሩ፤ ግን ከኣ ብዙሕ ነቐፌታታት በጺሑኒ። ሎሚ ድማ ኩሎም ይዛረቡሉ ኣለዉ" ክብል ገሊጹ።