ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ኣብዱል ፋታሕ ኣልሲሲን ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ተዘራሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱል ፋታሕ ኣልሲሲን ብሰኑይ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ምዝርራቦም ተገሊጹ።
እቶም ፕረዚደንታት ኣብቲ ብስልኪ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ብዛዕባ እቲ ግብጺ ኣብ ቃዛ ስምምዕ ንምምጻዕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ዘትዮም።
መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ባይደን፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ብጽሒት ማይ ኣባይ (ኒል) ዘለዋ ሻቕሎት ከም ዝርድኦ ምግላጹ" ሓቢሩ።
ወሲኹ ድማ፡ ፕረዚደንት ባይደን እቲ 'ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ዘሎ ጠለባት ማይ ንምትዕራቕ፡ ኣመሪካ ኣድላይ ዘበለ ዲፕሎማስያዊ ዓቕሚ ከምእትጥቀም' ይገልጽ።
ሮይተርስ ሒዝዎ ዘወጽአ ጸብጻብ ድማ፡ ክልቲኦም ፕረዚደንታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ጠለብ ማይን ልምዓትን ብዝምልከት፡ ንኩሎም ኣካላት ብዝጠቅም መልክዑ፡ ኣብ ሓደ መዕልቦ ንምብጻሕ ከምዝሰርሑ ተስማሚዖም ክብል ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ጠቒሱ ኣቃሊሑ።
ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ ነቲ ዘተ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ትዊተሩ ኣብ አዝሃቦ ርእይቶ፡ "ንክልቲአን ሃገራትን ነቲ ዞባን ኣብ ዘገድሱ ጠቐምቲ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዊሕ ሰዓታት ወሲድን ብምዝርራብና ሕጉስ እየ" ምባሉ ማእከን ዜና ኣመሪካ ብሉምበርግ ኣስፊሩ።
ኢትዮጵያ ካብ 2011 ጀሚራ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ (ኒል) ተካይዶ ዘላ ፕሮጀክር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምህናጽ ትርከብ።
እቲ ፕረጀክት ህንጸቱ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ 'ሃይድሮ-ኤሌክትሪክ' ግድብ እዩ ክኸውን ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ።
ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ማይ ኣባይ እትምርኮስ ግብጺ፡ እዚ ሓድሽ ግድብ: ዋሕዚ ማይ እቲ ሩባ ከጉድሎ እዩ ዝብል ልዑል ስግኣት ኣለዋ።
ሱዳንን ብወገና፡ ናይቲ ፕሮጀክት ህንጸት ኣሰራርሓን ጽፈትን ኣተኣማንነት ብዝምልከት ሻቕሎት ኣለዋ።
ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ንነዘ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝርከባሉ: ቀጻሊ ስሉሳዊ ዘተ ክካየድ ዝጸንሐ እንተኾነ'ኳ፡ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







