እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ገለ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ወሊድ ባህርያተን ይልወጥዶ?
ማህደር ኣካሉ ትበሃል፤ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብመጥባሕቲ መናቱ ተገላጊላ፡፡ ነፍሰ ጾር እንተላ ክብደት ሰብነታ አዐርዩ ስለዝወሰኸ፡ ድሕሪ ሰላሳ ሰሙን ምድቃስ እኳ ትጽገም ነይራ፡፡
‘‘ኮፍ ኢለ እየ ዝሓድር ነይረ’’ እትብል ማህደር፡ ምስወለደት ካብቲ ጸገም ከምእትገላገል‘ኳ ተስፋ እንተገበረት፡ ከም ትምኒታ ግን ኣይኮነላን፡፡
መናቱ ቆልዑ በብክልተ ሰዓት ምጥባውን ከምድላያ ምንቅስቓስ ዘይምኽኣላን ጸገም ኮይኑዋ ነይሩ፡፡
ጸገማ ግን እዚ ጥራይ ኣይነበረን፡፡
‘‘ብምኽንያትን ውጽኢትን ዝኣምን ሰብ እየ ነይረ፤ ብቑሩብ ነገር ስምዒታዊ ኣይከውንን ነይረ፡፡ ምስ ወለድኩ ግና ምብካይን ሰባት ንምንታይ ኣይተረድኡንን ኢለ ምኹራይን ጀሚረ፡፡ ብፍላይ ብበዓል ቤተይን ኣደይን ይሓርቕ ነይረ’’ ትብል፡፡
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስወለደት፡ ሓድሽ ናይ ህይወት ምዕራፍ ስለእትጅምር፡ ናብ ዘይለመደቶ ኩነታት እያ እትኣቱ ብምባል ዝነበረቶ ኩነታት ትዝክር፡፡
ናይ ባዕላ ኩነታት ብምጥቃስ ድማ ቤተሰብን ሓካይምን፡ ቀዲመን ክዳለዋ ከምዘይገብሩወን ትገልጽ፡ ማህደር፡፡
ድቃስ ምስኣን፣ ንነዊሕ ሰዓት ስራሕ ፈቲሕካ ምጽናሕን ካብ ባዕልኻ ንላዕሊ ነቶም ህጻናት ትኹረት ምሃብን ነቲ ጭንቀት ከምዘጋድዶ ብምሕባር ድማ ‘‘ ንባዕለይ ይጸልእ ነይረ፡፡ ኣብ ህይወተይ ተስፋ ይቖርጽ፣ እቶም ቆልዑ እንትበኽዩ ድማ ነደይ ‘ንዒ ውሰድለይ’ ኢለ ይጽዋዓ ነይረ’’ ትብል፡፡
ኮይኑ ግና ባህርያታ ዝቐየሮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምስወለዳ ዘጋጥመን ጭንቀት ከምዝኾነ ዝፈለጠት ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ እዩ፡፡
‘‘እዚ ነገር እንታይ እዩ ኢለ ኣብ ጉግል እንተፍትሽ፡ ፖስት ፓርተም ዲፕረሽን ዝበሃል ሕማም ከምዝኾነ ተረዲአ፡፡ በቲ ሕማም ከምዝተጠቓዕኹ እውን ፈሊጠ’’ ትብል፡፡
እቲ ኩነታት ናይ ባህሪ ምልዋጥ እንተይኮነስ፡ ከም ዝኾነ ካልእ ሕማም ምዃኑ ምስፈለጠት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ድማ፡ ንባዕላ ምቕባልን ምስ ነብሳ ሰላም ንምፍጣር ምፍታንን ነይሩ፡፡ ቀጺላ ድማ ኣብ ከባቢኣ ንዘለዉ ሰባት ክተረድእ ፈቲና፡፡
እንተኾነ እዚ ቀሊል ከምዘይነበረ እያ እትዝክር፡፡
‘‘ኣብ ከቢድ ናይ ስምዒት ምልውዋጥ ስለዝነበርኩ፡ ብኣግባቡ‘ኳ ጸገመይ ከረድእ ኣይክእልን ነይረ’’ ትብል፡፡
ጸኒሓ፡ ናብ ስሩዕ ስራሓ ምስተመለሰት፣ ምስ ሰባት ምርኻብን ጸገማ ምዝራብን ምስጀመረት ግን ቅልል እናበላ መጺኡ፡፡
ድሕሪኡ ንትምህርቲ ካብ ሃገራ ርሒቓ ከይዳ፡፡
‘‘ ንትምህርቲ ናብ ወጻኢ ክሳብ ዝኸይድ፡ ንበይነይ ግዘ ክሳብ ዝረክብ፡ ተስፋ ናይ ምቑረጽን ስምዒታዊት ምዃነይ ቀኒሱ እምበር መሊኡ ኣይጠፍአን ነይሩ፡፡’’
እንተኾነ ዘርኣየቶ ናይ ለውጢ ጠባያት ስድራኣ ብዙሕ ይረኣዮም ከምዘይነበረ እያ ማህደር እትገልጽ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ ንበይነይ ኮይነ ይበኪ፤ ወይ ድማ ሓሚመ ዝብል ምኽንያት ይህብ’’ ትብል፡፡
ብዘይ ምኽንያት እንትትበኪ ማንም ክሕግዛ ከምዘይክእል እትገልጽ ማህደር፡ከቢድ እዋን ከምዘሕለፈት ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
ካብ ባዕልኻ ሓሊፉ ንካልኦት ምዃን
ማህደር ብዛዕባ እቲ ዘሕለፈቶ ከቢድ እዋን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጉጅለ ብምፍጣር ንመሓዙታ ክተካፍለን ጀሚራ፡፡
ሽዑ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክነዕልል ስለእንደሊ ቁጽሪ ስልክኺ ሃብና እናበሉ መልእኽቲ ክሰዱለ ጀሚሮም፡፡
ኣብቲ ዘተ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ጉዳይ ፈጺሞም ሰሚዖምዎ ከምዘይፈልጡ፣ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ከምዘይብለንን ገሊአን ድማ ዋላ እቲ ጸገም እንተጋጠመን መንነት እቲ ጸገም ከምዘይርደአኦ ተገንዚባ፡፡
‘‘ካብቶም ብሓጺር መልእክቲ ዘዘራረቡኒ ሓንቲኣ ‘ሰብኣየይ ፈጺመ ክርእዮ ኣይደልን’፡ ካልእቲ ድማ ‘ወደይ ይጸልኦ እየ’ ምስበለትኒ ካብ እትወልዲ ክንደይ ጌርኪ ኢለ ሓቲተያ፡፡ ሽዑ ‘ሰላሊት ዲኺ? ወደይ ይጸልኦ እየ ምስበልኩኺ፡ ንምንታይ ዓቢድኪ ዲኺ ኢልክኒ?’ ኢላትኒ፡፡
‘‘ሓደ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንርእስና ክንቀትል ቤተሰብ እዩ ኣድሒኑና ኢለናኒ’’ ትብል፡፡
ድሕሪኡ እቲ ጉዳይ ቀሊል ከምዘይኮነ ከምዝተረደኣ እትገልጽ ማህደር ‘‘ ኣነ ባዕለይ በዚ ስለዝሓለፍኩ ጉድኣተን ይርደአኒ እዩ’’ ብምባል ዝፈጠረላ ስምዒት ተብርህ፡፡
ንሓደ ሰብ እኳ እንተሓገዝኩ ብምባል ብዝረኸበቶ ኣጋጣሚ ናይ ውልቀ ታሪኻ ከምእትካፍል እውን ትገልጽ፡፡
ኣቐዲምካ ምፍላጡ ሓጋዛይ እዩ
ደቂ ኣንስትዮ ናይ ወሊድ ክትትል እንትገብራ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ድሕሪ ወሊድ ናይ ምጽዕዓን ስምዒት ወይ ጭንቀት ከጋጥማ ከምዝኽእል ክንገራ ኣለዎ፡፡
እዚ ምስተፈለጠ ድማ፡ ቤተሰብ ከምቲ ኣካላታ ንምጽጋን ዝሕግዛ፡ ንናይ ኣእምሮኣ ጥዕና እውን ጥንቃቕ ክገብር ኣለዎ፡፡
እዚ ሕማም ንገለ ደቂ ኣንስትዮ ቀልጢፉ ዝገድፈን‘ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ካልኦት ግን ነዊሕ ግዘ ክጸንሕ ስለዝኽእል ‘‘ ዝወለደት ጓል ኣንስተይቲ በይና ክትግደፍ የብላን፡፡ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ብስምዒት እትገብሮም ውሳነታት ስለዘይፍለጡ እዩ’’ ትብል ማህደር፡፡
ዝተፈለየ ምልክት ምስዝረኣይ ድማ ናብ በዓል ሞያ ምኻድ ወሳኒ ምዃኑ ተረድእ፡፡
ሰብሞያ ሕክምና እንታይ ይብሉ?
እዚ ናይ ምጽዕዓን ወይ ምጭናቕ ሕማም ኣብ እዋን ጥንሲ እውን ከጋጥም ከምዝኽእል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ መምህርን በዓል ሞያ ማህጸንን ጥንስን ዶ/ር ደምሰው ኣመኑ ይገልጽ፡፡
እዘን ደቂ ኣንስት ቀዲሙ ሓኪም ዘይፈለጦ ናይ ጭንቀት ሕማም ክህልወን ከምዝኽእል እውን ይገልጽ፡፡
ኮይኑ ግና፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ኣብ ሰብነተን ናይ ሆርሞን ለውጢ ስለዝፍጠር፡ ድሕሪ ወሊድ ሰብነተን ናብ ናይ ቀደም ኩነታቱ ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ እዚ ሕማም ክመጽእ ይኽእል እዩ፡፡
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዝወልደኦ ቆልዓ ጸገም ዘለዎ እንተኾይኑ፡ እቲ ሕማም ክገድድ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ብሓፈሻ 50 ምኢታዊት ወላዳት ደቂ ኣንስትዮ፡ እዚ ‘ፖስት ፓርተም ዲፕረሽን’ ዝበሃል ጸገም የጋጥመን እዩ፡፡
እንተኾነ ዝፍለ ምልክት ዘርእያ ደቂ ኣንስትዮ ግና ውሑዳት እየን ይብል እቲ በዓል ሞያ፡፡
ካብቶም ዝረኣዩ ምልክታት
- ምስ ሰባት ብቐሊሉ ምርድዳእ ዘይምኽኣል
- ንቆልዑት ግቡእ ክንክን ንምግባር ምጽጋም
- ድቃስ ምስኣን
- ዝቐርቡኻ ሰባት ናይ ምጽላእ ስምዒት
- ጭንቀት
- ስምዒታዊ ምዃን (ምብካይ፣ ምሕራቕ)
ኣቐዲሙ ናይ ደም በዝሒ፣ ሽኮርን ምጽዕዓንን ዘለዎም ሰባት ድማ ዚያዳ ነዚ ሕማም ተቓላዕቲ እዮም፡፡
እዚ ሕማም ካብ ውሱናት መዓልቲታት ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ክጸንሕ ይኽእል፡፡
ምልክታቱ ምስተፈለዩ መድሓኒት ዝወሃብ ኮይኑ ናይ ስነልቦና ሰብሞያ ድማ ናይ ምኽረ ሓገዝ ይገብሩ፡፡
ዶ/ር ደምሰው ከምዝገለጾ፡ እዚ ድሕሪ ወሊድ ዝመጽእ ሕማም፡ ነቲ ህጻን ግቡእ ክንክን ንምግባር ካብዘይምድላይ ጀሚሩ፡ ናይ ባዕልኻ ህይወት ክሳብ ምጥፋእ ክበጽሕ ይኽእል እዩ፡፡
ኮይኑ ግና ደቂ ኣንስትዮ እንትወልዳ ንግዚኡ ከገጥመን ዝኽእል ናይ ምጭናቕ ሕማም፡ ኣብቲ ማእከል ሕክምና እናሃለዋ ብቐሊሉ ሓገዝ ክረኽባሉ ዝኽእላ እዩ፡፡
ካብ ማእከል ሕክምና ምስወጻ ዝኽሰትን ካብዚ ዝሓልፍን እንተኾይኑ ግና ክሕግዘን ዝኽእል ናይ ማህጸንን ጥንስን በዓል ሞያ ዘይኮነስ፡ ናይ ስነ ኣእምሮን ስነ ልቦናን ኣማኻሪ ከምዘድልየን ዶ/ር ደምሰው ኣመኑ ገሊጹ፡፡