ኣመሪካ: ን4 መዓልታት ካብ ኣውቶብስ ንኸይወርዱ ናይ ዝተኸልከሉ ህጻናት ጉዳይ ኣዘራራቢ ኮይኑ

ጉዳይ ናይቶም ኣብ ኣመሪካ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኣውቶቡስ ክሓድሩ ዝተገደዱ ህጻናት ስደተኛታት ሕቶታት ኣልዒሉ።

እቶም ህጻናት ምስ ስድርኦም ንምርኻብ ኣብ ምጽባይ ዝነበሩ እዮም።

ዋይት ሃውስ በቲ ዝጋጠመ ነገር ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ “ስቅ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን መርመራ ክጅምር እዩ” ብምባል ነቲ ጉዳይ መርመራ ከምዘካይደሉ ቃል ኣትዩ።

ፕረስ ሰክሪታሪ ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጄን ፕሳኪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ “ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ” ድሕሪ ምባል “ኣብዚ ደረጃ እዚ ከመይ ኢሉ ከምዝብጽሐን ከመይ ኢሉ ከምዘጋጠመን ኣብቲ ንግበሮ መርመራ ክጽንሓና እዩ” ኢላ።

ነቲ ክስተት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ከም ዘቃለሐኦ እንተኾይኑ፡ እቶም ህጻናት ኣብ ውሽጢ እታ ዝነበርዋ ኣውቶቡስ ኮይኖም ክምግቡን ክሽኑን ከምዝተገደዱ ይግለጽ።

ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ህጻናት ስደተኛታት ኣዝዩ ይንህር ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ 19 ሽሕ ኣላዩ ዘይብሎም ህጻናት ስደተኛታት ካብ ደቡብ ኣመሪካ ናብ ኣመሪካ ከምዝኣተዉን እዚ ኣብ ሓደ ወርሒ ካብ ዝኣትዉ ህጻናት እቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ከምዘሎን ይግለጽ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ’ውን እቲ ቁጽሪ ቁሩብ ምጉዳል እኳ እንተኣርኣየ ልዕሊ 17 ሽሕ ህጻናት ብዘይ መሰነይታ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም። ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ 50 ሽሕ ዝኾኑ ስድራ ምስ ደቆም ናብ ኣመሪካ ኣትዮም።

ፕረስ ሰክሪታሪ ጄን ፕሳኪ “ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከምዚ ዓይነት ዘይሰብኣዊ ተግባር ክፍጸም ምኽንያታዊ ኣይኮነን” ብምባል እቶም ህጻናት ተገዲዶም ንመዓልታት ኣብ ኣውቶብስ ክሓድሩ ምግባር ዘይሰብኣዊ ተግባር እዩ ኢላ።

ጄን ፕሳኪ እቲ መርመራ ምስ ተጻፈፈ፡ ነቲ ተግባር ሓላፍነት ዝወስደሉ ኣካል ከምዝህሉ’ውን ገሊጻ።

ኤንቢሲን ዳላስ ሞርኒንግን ዝበሃላ ማዕከናት ዜና ንሓደ ወዲ 15 ዓመት ካብ ህንዱራስ ዝመጽአ ህጻን ብምዝርራብ፡ እቶም ህጻናት ካብ ቀዳም ክሳብ ረቡዕ ኣብታ ኣውቶቡስ ከይወረዱ ከምዝቐነዩ ኣብ ዓምድታተን ኣስፊረን።

እቲ ካብ ሁንድራዝ ዝመጽአ ህጻን፡ ምስታ ኣብ ስያትል እትርከብ ኣዲኡ ንምርኻብ ብሕጂ 3200 ኪሎ ሜተር ናይ ኣውሮቡስ ጉዕዞ ከምዝተርፎ’ውን እታ ማዕከን ዜና ኣቃሊሓ።

ጸሓፊ ሰብኣዊ መሰላትን ጥዕናን ኣመሪካ ሃቭያር ቤኪራ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ’ዩ” ኢሉ።