ኣሰናዳኢ ናይታ ኣብ 2001 ዝተዓጽወት ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ኣሮን ብርሃነ ኣብ መዓልቲ ፕረስ ዓሪፉ

ኣዳላዊ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ፍሉጥ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ኣብ ስደት ከም ዝዓረፈ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

ኣሮን፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ክነብር ምጽንሑ ይፍለጥ። ጠንቂ ሞቱ ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ "ሃንደበታዊ" ምዃኑ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ሰቲት ሜድያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሎሚ 3 ግንቦት፡ ኣብ መዓልቲ ፕረስ ዓለም፡ ዝዓረፈ ኣሮን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብስም'ታ ዝመስረታ ጋዜጣ፡ ሰቲት ሜድያ ብምምስራት ኣብ መርበብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ክነጥፍ ጸኒሑ'ዩ።

ኣሮን ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ስደት ትምህርቱ ብምድላብ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ከናዳ ዝርከብ ብራውንስ ዝተባህለ ኮለጅ ከም ፕሮፌሰር ክሰርሕ ምጽንሑ እቲ መግለጺ ይሕብር።

"ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ ኣብ ቀጻሊ ኣስፊሕና ከነቕርበልኩ ምዃና እንዳ ሓበርና፡ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሃንደበታዊ ሞት ሳርሕትናን መቓልስትናን ኣሮን ብርሃነ፡ ሰቲት ሜድያ ንምሉኣት ስድራቤት ጽንዓት ይሃብኩም ትብል" ክብል እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።

ኣሮን፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ገድሊ ንናጽነት ድሕሪ ምስታፉ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ትምህርቲ ዓለም ተመሊሱ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዜጠኝነት ብዲግሪ ተመሪቑ።

ኣብ ነሓሰ 1997 ድማ፡ ምስ ብጾቱ፡ ስምረት ስዩምን ሃብቶም ምሕረትኣብን ብምዃን ጋዜጣ ሰቲት ብምምስራት ን4 ዓመታት ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ሰሪሑ።

ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕን ጸሓፊን ገጣሚን ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)ን ካልኦትን ድማ ነቲ ተበግሶ ተጸምቢሮሞ።

ጋዜጣ ሰቲት፡ ካብተን ድሕሪ ናጽነት ንፈለማ እዋን ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሓ ቀዳሞት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዃና ይንገረላ።

ኣብ ሰነ 1996 ሕጊ ናጻ ፕረስ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ናብ ኢድ ኣንበብተን ክበጽሓ ኪኢለን ምንባረን ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ነተን ውልዶ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ንሓያሎ ካብ ጋዜጠኛታትን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ሰዊርዎም ይርከብ።

ክሳብ ሕጂ'ውን፡ ፍስሃየ ዩውሃነስ ጆሽዋን እቲ ንዝተሰወሰነ እዋን ኣሰናዳኢ ናይታ ጋዜጣ ዝነበረ ዳዊት ኢሳቕን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ጽሑፋት ዘበርክት ዝነበረን ሓደ ካብ መስረትቲ ተሌቪዥን ኤርትራ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ብ"ተጋዳላይ ስኣላይ" ዝፍለጥ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ስዩም ጸሃየ'ውን ብዘይ ድሃይ ኣብ ማሕዩር ይርከብ።

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣሮን ኣብርሃም ዝርከቦም ውሑዳት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፡ ሃዲሞም ካብታ ሃገር ብምውጻእ ሂወቶም ከድሕኑ ኪሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መስራትን ዋና ኣዳላውን ናይታ ኣብ 1998 ተመስሪታ ኣብ 2001 ዝተዓጽወት ጋዜጣ ቀስተ ደበና ዝነበረ ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ከምዝዓረፈ ይዝከር።

ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ዘይተፍቅድ ሃገር ኮይና፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዝወጸ ናይ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ጸብጻብ ደረጃታት ናጻ ፕረስ እታ ዝኸፍአት ተባሂላ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ።