መርከብ ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ናብ ጀላቡ ኢራን ናይ መጠንቀቕታ ብረት ቶኵሳ

ኣብ ወሽመጥ ሓርሙዝ፡ ሓንቲ መርከብ ኣመሪካ ናብተን ናብኣ ዝቐረባ ፈጣናት ጀላቡ ኢራን ናይ መጠንቐቅታ ብረት ከም ዝተኮሰት ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ [ፔንታጎን] ኣፍሊጡ።

ፔንታጎን፡ 13 ፈጣናት ጀላቡ ኢራን ብሰኑይ ናብታ መርከባ ኣመሪካ ክሳብ 140 ሜትሮ ከም ዝቐረባ ገሊጹ።

እተን ጀላቡ ካብ መርከብ ኣመሪካ 30 ናይ መጠንቐቅታ ቶኵሲ ምስ ተተኮሰን ካብቲ ቦታ ከም ዝረሓቓ'ውን ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ክስተት ምዃኑ ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ፈጣናት ጀላቡ ኢራን ናብ መርከብ ኣመሪካ ብምቕራብ "ተተናዃሊ ምንቅስቓሳት የርእያ ነይረን" ብምባል ከሲሱ።

እታ መርከብ ናይ ኣመሪካ፡ ንሓንቲ ሚሳኤል እትጽዕን ዩኤስኤስ ጆርጅያ ተባሂላ እትጽዋዕ 'ሳብማሪን' ኣስነያ ትኸይድ ምንባራ'ውን ተሓቢሩ።

ጆን ኪርቢ፡ "ዘይሓላፍነታዊ ተግባር እዩ፤ ከምዚ ዓይነት ምትንዃላት ናብ ሃስያ ከምርሕ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ንዋላ ሓደ ዘርብሕ ኣይኮነን" ኢሉ።

ወሽመጥ ሓርሙዝ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከብ ሓደ ጸቢብ ማያዊ ክፋል ኮይኑ ሓደ ካብ ኣገዳሲ መስመራት መተሓላለፊ መራኽብ እዩ።

እዚ መስመር እዚ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካ ትርከበን ሃገራት ምዕራብን ጠንቂ ምስሕሓብ ኮይኑ እዩ ዝርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ወተሃደራዊት መርከብ ኣመሪካ ነተን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ወሽመጥ ዓረብ ናብ ጥቕኣ ዝቐረባ መራኽብ ኢራን ናይ መጥንቀቕታ ብረት ቶኲሳትለን ነይራ እያ።

እቲ ምትፍናን መርከብ ኣመሪካን ፈጣናት ጀላቡ ኢራንን፡ ምስቲ ኢራን ኒክሎሳዊ ኣጽዋር ንከይተማዕብል ዝቅይድ ሕጊ ንምትራር ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣብ ዝተጀመረሉ እዩ ኣጋጢሙ።

ኣመሪካ ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ንኒክሎሳዊ ምምዕባል ኣጽዋራት ከም ዘንሰሓበት ምስ ገለጸት፡ ኢራን በቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዘይትቕየድ ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢራን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ ቁጠባዊ እገዳታት እንተኣልዒልዎ ናብቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ክትምለስ ከም እትኽል እያ ትገልጽ።