እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ንደቡብ ኮርያዊ መራሒ መርከብን መርከቡን ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ፈቲሓቶም
ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ኢራን ተሓይሩ ዝጸንሐ ደቡብ ኮርያዊ መራሒ መርከብን እታ ንሱ ዝመርሓ ነዳዲ ትጽዕን መርከብን ከምዝተፈትሑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኮርያ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢራን ነታ ባንዴራ ደቡብ ኮርያ እተንበልብል መርከብን ንመራሒኣ ሃንኩክ ቸሚን ኣብ ሃርሙዝ ዝተብሃለ ስትራተጂካዊ ቦታ ናይ ኢራን፡ ብከላ ከባቢ ፈጢሮም ብዝብል እያ፡ ኢራን ኣብ ወርሒ ጥሪ ቀይዳቶም።
ኣብታ መርከብ ዝሰርሑ ዝነበሩ 20 ባሕረኛታት ኣብ ወርሒ ለካቲት ነጻ ክልቀቑ እንከለዉ፡ እታ መርከብን መራሒኣን ግን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢራን’ዮም ጸኒሖም።
እቲ ክስተት፡ ብሰንኪ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝርከባ ባንክታት ዝነበረ ናይ ኢራን ሒሳባት ምስ ኣደስከለኦ፡ ኣብ ሞንጎ ኦራንን ደቡብ ኮርያን ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዝነበረ እዩ ኣጋጢሙ።
መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ግን፡ ክልቲኡ ዋላ ሓንቲ ዘተሓሕዝ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
እንተኾነ ምፍታሕ እቲ መራሒ መርከብን መርከቡን፡ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ደቡብ ኮርያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ 7 ቢልዮን ዶላር ዝኸውን ቅሙጥ ገንዘብ ኢራን ኣመልኪተን ድሕሪ ዝገበረኡ ዘተ’ዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ደቡብ ኮርያ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እቲ መራሒ መርከብ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ናይ ጥዕና እዩ ዘሎ፡ ኣብታ መርከብ ተጻዒኑ ዝነበረ ንብረት’ውን ዝኾነ ጸገማት የብሉን” ድሕሪ ምባል፡ “እታ መርከብ ኣብ ኢራን ክተማልኦ ዝግብኣ ምምሕዳራዊ መስርሓት ሓሊፋ ካብ ኢራን ወጺኣ ኣላ” ኢሉ።
መራሒ ናይታ መርከብ፡ እታ መርከብ ከሚካላት ጽዒና ምንባራ ብምሕባር፡ እቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝቐረበሎም ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።
ኣብታ መርከብ ዓሰርተ ሓደ ተወለድቲ ሚያንማር፣ ሓሙሽተ ደቡብ ኮርያውያን፣ ክልተ ቬትናማውያንን ክልተ ተወለድቲ ኢንዶንዥያን፡ ብሓፈሻ 20 ባሕረኛታትን ሓደ ካፒቴንን እዮም ነይሮም።
ኢራን እቲ ምትሓዝ ናይታ መርከብን ምእሳር መራሒኣን፡ ምስ ምድስካል ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ሒሳባታ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ እያ ትገልጽ።
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኢራን ንኒኩለራዊ ውዕላት ጥሒሳ ብምባል፡ ኣብ 2018 ኣብ ልዕሊኣ ቁጠባዊ ማዕቐብ ከምዘንበረት ይዝከር።