ኣብ ናይጀርያ ሃንደበታዊ ጉድኣት ዘብጽሑ ዕጡቓት ሸውዓተ ፖሊስ ቀቲሎም ተሰዊሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዕጡቓት ናይጀርያ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሓደ ነቑጣ ተፍትሽ፡ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሎም።
እቶም ዕጡቓት ናይ ፖሊስ መኪና'ውን ኣቃጺሎም ተባሂሉ።
ፖሊስ ብዝወሰዶ ዓጸፋ ምላሽ፡ ክልተ ኣባላት እቶም ዕጡቃት ዝቐተለ ኾይኑ፤ ዝተረፉ ከምዘምለጡ ተገሊጹ።
ነቶም ዝተረፉ ንምሓዝ ድማ፡ ሓያል ኣለሻ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ዕጡቃት ነቲ መጥቃዕቲ ስለምንታይ ከምዝፈጸሙ ምኽንያቱ ዛጊድ ዘይተፈልጠ እንተኾነ'ኳ፡ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ተገሊጹ።
እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ቾባ ኣብ ዝተብሃለ ዓብዪ ድልድል ኣብ ዝርከብ ናቑጣ ተፍትሽ፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ብናይታ ሃገር ኣቆጻጽራ ናይ ምሸት ሰዓት 02፡30 ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣፍሊጡ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ክልተ ኣብቲ ናቑጣ ዝነበሩን ካልኦት ክልተ ኣብ መንገዲ ዝጸንሑን ከምዝቐተሉ፤ ካብኡ ድማ ሩሙጂ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዋንነቱ ናይ ፖሊስ ዝኾነ መኪና ብሓዊ ከምዘቃጸሉ ኣረዲኡ።
ክልተ ካብቶም ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ፡ ካብኡ ዘምለጡ ግና፡ ‘ኤሊምቡ’ ኣብ ዝተብሃለ ካልእ ፖሊስ ጣብያ፡ ሰለስተ ፖሊስ ከምዝቐተሉ እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብቲ ከባቢ፡ ኣባላት ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ብተደጋገሚ ዝቕተሉ ኮይኖም፡ ካብ ኣጋምሸት ጀሚሩ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ናብቲ ሕዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቀረባ ዝኾነ፡ ኣናምብራ ኣብ ዝበሃል ክልተ ፖሊስ ከምዝተቐትሉ እውን ይዝከር።
ናይጀርያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኢስላማውያን ኣኽረርቲ ብዝኸፍትዎ መጥቃዕቲ ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቓ ትርከብ።
ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ 700 ህጻናት ካብ ቤት ትምህርቲ ተዓጨውዮም ከምዝተወስዱ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







