ብራዚል፡ ፖሊስ ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ንምሓዝ ብዘካየዶ ስርሒት ብውሕዱ 25 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ፖሊስ ብዘካየድዎ ‘ዝርሒት’ ምሓዝ ዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ፖሊስ ዝርከቦም ብውሕዱ 25 ሰባት ከምዝተቐተሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

እቲ ናይ ፖሊስ ስርሒት ኣብ ሓደ ጃካዛቲኖ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል እታ ሃገር እዩ ኣጋጢሙ።

ፖሊስ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ህጻናት ይምልምሉ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ምስ በጽሖም፡ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ስርሒት ፈጺሞም።

እቲ ስርሒት ኣብ ዝተፈጸመሉ በቲ ከባቢ ኣብ እትሓልፍ ዝነበት ባቡር ተሳፊሮም ዝነበሩ ክልተ ገያሾ’ውን ብጥይት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።

ፖሊስ ብራዚል፡ ሓደ ካብ ኣባላቱ’ውን ኣብቲ ስርሒት ከምዝተቐተለ ኣብ ፌስ ቡክ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓዘን መግለጺ ሓቢሩ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝሃበኦ ሓበሬታ፡ እቲ ብፖሊስ ድብያ ዝተፈጸመሉ ጉጅለ፡ ብምዝውዋር ዕጸፋርስ፡ቅትለትን ጭውያን ዝኽሰስ ጉጅለ እዩ።

ፖሊስ ናብቲ እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ዝነበርዎ ገዛውቲ ምስ ኣተዉ፡ ገለ ካብቶም ጥርጡራት ብዝባን ናሕሲ ክሃድሙ እናፈተኑ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ተለቪዥናት ይርአ ነይሩ።

ነበርቲ እቲ ኸባቢ ነቲ ዝርኣይዎን ዝቐድሕዎን ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርግሕዎ ይርኣዩ ኣለዉ።

ሓደ ነባሪ እቲ ኸባቢ፡ ብደም ዝጨቀወ መሬት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምዝርጋሕ፡ ኣብቲ ቦታ ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ብሰንኪ ስእነት ሰላም ካብቲ ቦታ ከይውዓለ ከይሓደረ ገዛ ክቕይር ምዃኑ ብጽሑፍ ኣስፊሩ።

ገለ ነበርቲ ኸኣ፡ ፖሊስ ኣባላት እቶም ጉጅለ ኢኹም ብምባል ሞባይላቶም ከምዘሕደግዎም ገሊጾም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ርዮ ፕሮፌሰር ስነሕብረተሰብ ዝኾነ ኢግናሾ ካኖ ብወገኑ፤ ፖሊስ እቶም ዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ህጻናት ይምልምሉ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ በጺሕኒ ምባሉ ቅቡል ምኽንያት ከምዘይኮነ ብምግላጽ “ብቐደሙ’ውን ኩሉ ሰብ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምስቶም ኣሰጋገርቲ ከምዝሰርሑ ይፈልጥ እዩ፡ ንምንታይ እዮም ሕጂ ህጻናት ክምልምሉ?” ይብል።

ሪዮዲጀኔሮ ኣዝዩ ናዕቢ ዘለዋ ከተማን ዝበዝሐ ክፋላ እቶም ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ዝቆጻጸርዋን ከተማ እያ።

ፖሊስ ብራዚል ኣንጻር እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ስርሒት ኣብ ዘካይደሉ ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ከምዝጥቐምን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘብጽሕን ብተደጋገሚ ክሕመ ጸኒሑ እዩ።

ኣብታ 1.3 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ከተማ እቶም 22 ሚእታዊት ካብ ነበርታ ኣብ ሻውላት እዮም ዝነብሩ።

ኣብ ከተማ ሪዮ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝበሎም ስርሒት ከካይድ ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካሚላ ሞታ ካብ ሳኦ ፓውሎ ትሕብር።

እንተኾነ እዚ ናይ ትማሊ ስርሒት ድሕሪ 2016 ካብ ዝተፈጸሙ ስርሒታት ዝበዝሐ ሞት ዘስዓበ ኮይኑ ኣሎ።