ኢጣልያ፡ ኣጽዋር ውግእን ዕጸ ፋርስን ሒዙ ናብ ሲሲሊ ዝበረረ ኣመሪካዊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ሓደ ኣመሪካዊ በዓል ሃብቲ፡ ብናይ ውልቀኡ ኣውሮፕላን፤ ኣጽዋርን ዕጸ ፋርስን ሒዙ ኣብ ሲሲሊ ምስ ኣተወ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ኣመሪካዊ ዜጋ፡ ካብ ግዝኣት ኣመሪካ ካሊፎርኒያ ተልዒሉ፡ ሲሲሊ ተባሂላ ናብ እትጽዋዕ ናይ ጣልያን ደሴት ምስ በረረ እዩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ።

ወዲ 64 ዓመት ፓትሪክ ዮሴፍ ሆራን፡ "ናብ'ታ ደሴት ዝመጻእኹ 'ኣዝማደይ ንምሕታት'ዩ" ኢሉ ንፖሊስ ከምዝተናገረ ተገሊጹ።

ኣንሳ ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ከምዝጸብጸቦ፤ እቲ ስብኣይ ናብ ደሴት ሲሲሊ ዝመጽአ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እዩ።

እታ ኣውሮፕላኑ ምስተፈተሸት፡ መሳርሒ ኣጽዋር ኲናት፣ ከምኡ'ውን ሓደ ኪሎ ዝምዘን ማሪዋና ዝተብሃለ ዕጸ ፋርስ ተረኺብዋ።

ፖሊስ ነቶም መሳርሒ ኲናትን ዕጸ ፋርስን ናብ ግምጃቤት ወሲዱ 'ኤግዚቢት' ምስገበረ፡ ነቲ ውልቀ ሰብ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሲድዎ።

እታ ናይ ውልቀኡ ኣውሮፕላን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሲሲሊ ምስ በጽሓት እያ፡ ብፖሊስ ተኸቢባ ተፍትሽ ዝተገብረላ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ትራፖኒ ቢርጊ ዝነበሩ ፖሊስ፤ ክልተ ሽጉጥ፣ ሓደ ዓብዪ ኣጽዋር ውግእን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ካርቶን ዝተኣሸገ ንብረት ኣብ ውሽጢ እታ ኣውሮፕላን ረኺቦም።

ካብኡ ሓሊፎም ድማ፤ ኣብ ፕላስቲክ ዝተኣሸገ ዕጸ ፋርስን ማይን ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ጋዜጣ ላ ሪፐብሊካ ጸብጸቡ።

እዚ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዝወፍር በዓል ሃብቲ፡ ፓትሪክ፡ ኣብ ሲሲሊ ምዕራባዊ ግዝኣት እትርከብ፤ ሳንታ ኒንፋ፡ መሻርኽቲ ንግዲ ከምዘለዎ ይዝረብ።

እቲ ስብኣይ ንፖሊስ ከምዝበሎ፤ ናብ ደሴት ሲሲሊ ዘምረሐ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት፡ ፓዬርሞ፡ ሕክምና ክገብር ትልሚ ነይርዎ።

እቲ ኣመሪካዊ፤ ፖሊስ መርመርኡ ክሳብ ዝዛዝም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ጣልያን ካብ ዝርከባ 20 ክልላት ሓንቲ ዝኾነት፡ ሲሲሊ፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን እትርከብ እታ ዝዓበየት ደሴት እያ።

ኣስታት ሓሙስተ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝነብረላ ዝዝረበላ ጥንታዊት ከተማ ሲሲሊ፡ ብዙሓት በጻሕቲ እተተኣነግድ ናይ ቱሪዝም መናሃርያ እያ።