ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ '20 ሰባት ከምዝተቐተሉ' ተገሊጹ

መጥቃዕቲ ጅማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ኣብ ዝርከባ ክልተ ቀበሌታት ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ብ15 ሚያዝያ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ወረዳ ሊሙ ኮሳ፡ ቀበሌታት ቀጮ ክርክራን ጋሌን ዝተፈጸመ ኮይኑ ብውሑድ 20 ሰባት ከምዝተቐተሉ እቲ ኮሚሽን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 14 ሚያዝያ 2013 ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ቀበሌ ዳኖ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተለ ወሲኹ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣይተ ኢማድ ቱኔ፤ ዕጡቓት ኣብ ወረዳ ሊሙ ኮሳ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ንጹሃን ሰባት ብድሕሪ ምቕታሎም ሓይልታት ጸጥታ ከምዝበጽሑ ተዛሪቡ።

ናብቲ ቦታ ምስበጽሑ ከኣ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ተወሳኺ ጥቕዓት ንኸይፍጸም ኽከላኸሉ ምኽኣሎም ብምሕባር ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓይልታት ጸጥታ ናብ ዞባ ጅማ ክዋፈሩ ስለዝተገበረ ነቲ መጥቃዕቲ ምቁጽጻር ከምዝተኽኣለ ኣረዲኡ።

እንተኾነ ናብቲ ከባቢ ሰብሞያ ብምልኣኽ ነቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብትኽክል ምጽራይ ከምዘይተኽኣለ ኣይተ ኢማድ ገሊጹ።

ዛጊድ ዝተኣኻኸበ መረዳእታ ግን እቲ ኣብ ዞባ ጅማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ የመልክት ኢሉ።

ቢቢሲ ካብ ነበርቲ እቲ ጥቕዓት ዝተፈጸመሉ ከባቢ፣ ካብቲ ዞባን ኣመሓደርቲ ወረዳን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረሉን።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ኣይተ ኤልያስ ይልማ ብወገኑ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዝምታ ከምዝተኻየደን ኣረጋጊጹልና።

ኣብ ሓለዋ ጥሪት ዝነበረ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተለን ልዕሊ 70 ጥሪት በቶም ዕጡቓት ከምዝተወሰዳን ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ካብ መዋስንቲ ቀበሌ ዝተበገሱ ሸፋቱ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ኣርባዕተ ዓመታት ከምዘቑጸረ ብምዝኽኻር ቅድም መሪሕነት ክልቲኤን ወረዳታት ተዛትዮም ዕርቀ-ሰለም ከምዝፈጸሙ ሓቢሩ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ልዕሊ 150 ንጹሃን ሰባት ከምዝተቐተሉን 158 ከምዝቖሰሉን ገሊጹ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሊሙ ኮሳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ይሰርሕ ኣሎ ዝበለ ላዕለዋይ ኣማኻሪ እቲ ኮሚሽን ዛጊድ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣካል ምፍላጥ ከምዘይተኸኣለ ሓቢሩ።

መንግስቲ ንዕጡቓት ኦንግ ሸኔ ተሓተትቲ እንተገበረ’ውን እቲ ኮሚሽን ብዘይሻራዊ ኣካል ዝተጻረየ መረዳእታ ከምዘይብሉ የመልክት።

“ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ይፈጽሞ ንጹሃን ሰባት ግን ክቕተሉ የብሎምን” ኢሉ ላዕለዋይ ኣማኻሪ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኢማድ።