እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ንተራ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ዝድርት ስምምዕ
መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሃገር ሃማኖታዊ ናጽነትን ባህላዊ መንነትን ዘረጋግጽ ኣዋጅ መትከላት ፈሪሙ።
እቲ ምስ ሓደ ተቓዋሚ ጉጅለ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንሃይማኖትን መንግስትን ዝፈላሊ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
"ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ዝስግደድ ሃይማኖት ኣይክህሉን እዩ፤ መንግስቲ'ውን ብወግዒ ናተይ ዝብሎ ሃይማኖት ኣይክህልዎን'ዩ" ይብል እቲ ዝተፈረመ ሰነድ።
እቲ ስምምዕ ምስ ሓደ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝብታት ደቡብ-ሰሜን (SPLM-North) ዝተባህለ ብተኸተልቲ ክርስትና ዝዕብለል ውድብ'ዩ ተፈሪሙ።
እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ዞባ ጎቦታት ኑባ ዝንቀሳቐስ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ምንቅስቓስ፡ ክሳብ ሎሚ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ውዕል ሰላም ምፍራም ኣብዩ ዝጸንሐ'ዩ።
ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ፕረዚደንት ነበር ጀነራል ዑመር ኣልበሽር፡ ሓያሎ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ይዝከር።
ኣብ 1983፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ሕጊ ሸሪዓ ኣዊጁ።
እንተኾነ እቲ ተቓዋሚ ጉጅለ፡ መንግስቲ ካብ ሃይማኖት ናጻ ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገጺ'ዩ ዘለዎ።
እዚ ተወሳኺ ስልጣን ናይ ምሽራኽ ስምምዕ ነቲ ኣብታ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭታት ኣብ ምህዳእ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይግመት።