ሱዳናውያን ሰልፈኛታት እስላማዊ ሕጊታት ዝጻረር ኣዋጅ ተቓዊሞም

ብዙሓት ሱዳናውያን ደገፍቲ-ሸሪዓ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ብምውጻእ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስቲ ዝተገብረ ለወጥታት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ዝሓለፈ ሰሙን መንስግቲ ሱዳን፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ካብ ምፍቓድ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃይማኖትካ ናይ ምቕያር መሰል ዘረጋግጹ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ገይሩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ሞራላዊ ስነ ምግባር ወጻኢ ዝኾኑ ተግባራት ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ኣደባባይ ክግረፉ ዝእዝዝ መምርሒ ደው ክብል ኣዊጁ: ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ኸልኪሉ እዩ።

እዚ ለውጥታት ድሕቲ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር፡ ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ምእላዩ ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ ምስ መጽአ ዝውሰድ ዘሎ ፈላማይ ስጉምቲ እዩ።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ንኩሉ እስላማዊ ሕጊ ዝጻረር ይቓወሙ ከምዝነበሩን፡ "ናይ ኣምላኽ ሕጊ ክልወጥ ኣይክእልን" "ዓለማውነት ኣየድለየናን" ዝበሉ ጭርሖታት ሒዞም ከምዝነበሩ አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ገሊኦም ሰልፈኛታት፡ ንመራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነ ቀደማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ "ካርቱም ኒውዮርክ ኣይኮነትን" ኢሎም ይዘረቡ ከምዝነበሩ ተሓቢሩ።

ዞም ሓደሽቲ ሕግታት እንታይ ይብሉ?

ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ሱዳን ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም ብሕጊ ዘቕጽዕን ዝተኸልከለን እዩ ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኮይኖም ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዓብዱልባሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣዊጁ።

ብኻልእ ወገን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ሰባት፡ ናይ ሞትን ካልእ ከቢድ መቕጻዕቲን ይፍረዶም ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ሓዲሽ ኣዋጅ ግን፡ ሃይማኖቱ ቀይሩ ዝቕጻዕ ከምዘይህሉ ይግለጽ።