እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ በጺሑ
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኮቪድ-19 ናብታ ሃገር ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 200 ሽሕ በጺሑ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ዝርገሐ እቲ ቫይረስ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ምህላውን ተፈሊጡ።
ኣብታ ሃገር ትማሊ መርመራ ካብ ዝተኻየደሎም 7,250 ሰባት፡ እቶም 1,769 ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ጸኒሖም። እዚ ቁጽሪ ድማ ጠቕላላ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ካብ 200 ሽሕ ክሰግር ገይሩዎ'ሎ፡፡
ቅድሚ ሓደ ዓመት እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ካብ ዝረጋገጽ ንነጀው፡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተገብረሎም 2,332,735 ሰባት፡ እቶም 200,563 እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም እዩ፡፡
ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ድማ 2,801 በጺሑ ኣሎ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ሰብ ሞያን ሚኒስትሪ ጥዕናን ይገልጹ፡፡
በዚ ድማ ቁጽሪ መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ፣ ብጽኑዕ ዝሓሙን ዝሞቱን ሰባት ምስቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ እንትነጻጸር ብዘሰምብድ ኩነታት ወሲኹ ይርከብ፡፡
ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ብጽኑዕ ዝሓሙን ሓገዝ ዘድልዮምን ሰባት ብምውሳኹ ድማ፡ ናይተን ማእከላት ሕክምና ናይ ምሕካም ዓቕሚ ከምዝተፈታተኖን፡ ሕጽረት መተንፈሲ መሳርሕን ኦክስጅንን ከምዘጋጠመን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተሓበረ ዝዝከር እዩ፡፡
ካብ ቀረባ ሰሙናት ናብዚ ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት፡ ትካል ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ዘውጸኦም ቁጽራዊ መረዳእታታት፡ እቲ ቫይረስ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣተወሉ ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ ይምዝገብ ከምዘሎ ዘረድኡ እዮም፡፡
ካብ 11 መጋቢት ክሳብ 17 መጋቢት 2013 ዓ/ም ብዝተገበረ ምርመራ እኳ፡ 12,758 ሰባት እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኮይኑ፡ 151 ሞይቶም እዮም፡፡
ብተወሳኺ ቁጽሪ ኣገልግሎት ጽኑዕ ሕክምና ዘድልዮም ሰባት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ድሩት ዓቕሚ መተንፈሲ መሳርሕን ኦክስጅንን እተን ማእከላት፡ ብዙሓት ኣገልግሎት ዝደልዩ ሰባት ሪጋ ይጽበዩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ፡፡
በዚ ምኽንያት፡ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ቅድሚ ኣዋርሕ ወጺኡ ዝነበረ መምርሒታት፡ ብጥቡቕ ተግባራዊ ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ፡፡