ጎልድማን ሳክስ፡ 'ሰባት ኣብ ሰሙን 72 ሰዓታት ክሰርሑ ይግደጉ ኣለው'

ኣብ ለይቲ ንሓሙሽተ ሰዓታት ጥራሕ እናደቀሰት ኣብ ሰሙን ብውሕዱ ን72 ሰዓታት እትሰርሕ ገማ ቻምበርስ ኣብ ስራሕ ጸቕጢ ከምዘጋጥማን ነዊሕ ሰዓታት ምስራሕ ባህሊ ይኸውን ከምዘሎ ትዛረብ።

ኣብ ሓደ ትካል ምርምር ዝሰርሑ ብጎልድማን ሳክስ ዝፍለጡ ጕጅለ ተንተንቲ፡ እቲ ትካል ነቲ ዝጠልቦ ዝተጋነነ ሰዓታት ስራሕ እንተዘይቀይሩዎ ስርሖም ክሓድጉዎ ምዃኖም ንሓለቐኦም ምስገለጹሉ “ብቓልዕ” ብምዝራቦም ከምዝተሓጎሰ ገሊጹሎም።

እቲ ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ወሰኽ ሰዓታት ስራሕን ቅሬታ ሰራሕተኛታትን ምስ ኣቃላሕናዮ፡ ምናልባት ብዙሓት ካባኻትኩም፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋንን ኩነታት ስራሕ ንህይወትኩም ማዕረ ክንደይ ከምዝቐየሮ ክትነግሩና እናተጸበና ዛንታ እዞም ኣርባዕተ ኩነታት ስርሖም ዝነገሩና ሰባት ነካፍለኩም።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ኣብ ከተማ ሸፊልድ ኣብ ሓደ ዲጂታል መሸጣ ኣቑሑ ዝተቖጽረት ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ ገማ ቻምበርስ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሰሙን ሸውዓተ መዓልቲ ክትሰርሕ ምስተነግራ ስራሓ ገዲፋቶ።

ኣብቲ ስራሕ ምስ ተቖጽረት፡ ንሳን ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝመጽኡ ሓደስቲ ምሩቓትን ኣብቲ ከቢድ ቁሪ ዝነበረሉ እዋን ገዛ ገዛ እናዃሕኩሑ ክሰርሑ ተሓቲቶም። ኣብቲ ንውሑድ ሳምንታት ዝሰርሓትሉ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል ኣብ ሰሙን 72 (ሰብዓን ክልተን) ሰዓታት ክትሰርሕ ተሓቲታ።

"ኣብኡ እውን ኣየብቅዐን፤ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ስራሕ ምስ ወድኡ ናብ ቤቶም ብታክሲ እዮም ዝኸዱ ንመጓዓዝያ እውን ዝሕግዘና የሎን። ኣብ ርእሲኡ ኣብታ ዘይብልና ግዜ ኣብታ ዕለት ንዘጋጠመ ጸብጻብ ክንጽሕፍ ንሕተት" ትብል ።

ሰንበት ከኣ ናይ ምስ ሓላፊኦም ብፈይስ ታይም (መራኽቢ ኣፕ)፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ዝግበር ስራሕን ክህረም ዘለዎ ሸቶታትን ንምምይያጥ ይእከቡ።

"ምስ ሰባት ከተዕልል፡ ወይ ፈተውትኻን ቤተሰብካ ክትርኢ ግዜ የሎን። ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ እቲ ስራሕ ኢኻ ትዛረብ። ብዛዕባ ነብሱ ዝዛረብ ከም ድኹም እዩ ዝረአ። እዚ ከኣ ሓደገኛ ኣጠማምታ እዩ” ትብል።

ነቲ ዘጨነቓ ስራሕ ገዲፋ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ተቖጺራ፡ ኣብ ሰሙን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ - 37 ሰዓታት ጥራሕ ክትሰርሕ ምስተሓተተት ትንፋስ ረኺባ።

" ስራሕ እፈቱ እየ፤ ግን ከኣ ብሕግታት እተጨናነቐ፡ ካብ ስድራቤትካን ፈተውትኻን ዝንጽል ስራሕ ቅቡል ኣይኮነን " ትብል።

ወዲ 42 ዓመት ጋቪን ባልድዊን ንገዛ ዝኸውን ቁሩብ ገንዘብ ንምውህላል ክልተ እብረ ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ካርዲፍ ኣብ ዝመደበሩ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ኣብ ኣይቲ ቴክኖሎጂ ክሰርሕ ጀሚሩ ።

ኣርባዕተ ናይ 12 ሰዓታት ናይ ለይቲ እብረ ይሰርሕ፡ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ መዓልቲ ካብ ስራሕ አዕሪፉ ኣብ ቦምባታት ማይ ኣብ ምዕራይ ይሰርሕ። ሰባት ኣባይቲ ክቕይሩን ከመሓይሹን ስለዝደልዩ ጠለብ ስራሕ ከምዘሎ ይዛረብ። ግዜኡ ኣብ ስራሕ የሕልፎ።

ናይ ሳቻ ሓለዋ ጎልድማን፡ ዝሓሸ መጻኢ ንምፍጣር ኣብ ሰሙን 95 ሰዓታት ይሰርሕ።

ዘባኽኖ ዕለትን ሰዓትን የሎን። በዓላት እውን ኣየብዕልን እዩ።

ጋቪን እውን ንመኽፈሊ ዕርቡን ገዛ ዝኸውን ቁሩብ ገንዘብ ክዋህልል ለይቲ እውን ከይተረፍ ተወሳኺ ሰዓታት ይሰርሕ። ነቶም 85 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ዝሰርሑ ከም በዓል ጋቢን ግን ይድንግጸሎም።

“ባንክታት ገንዘብ ከዋህልሉ ዝደልዩ ሰባት እየን ዝደልያ። እቲ ዕዳጋ ብኸምኡ እዩ ዝሰርሕ”

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መምህር ሕሳብ ኮይና እትዓዩ ኦሊቭያ ዊልሰን ኣብ ሰሙን 55 ሰዓታት ትሰርሕ። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣብ ብራይተን ኣብ ዝርከብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተወሳኺ ሰዓታት ትሰርሕ።

"ኣብተን ድሕሪ ትምህርቲ ዘለዋኒ ሰዓታት፡ ኣኼባታት ንገብር ፣ ኣሃዛዊ ጸብጻብ(እስታትስቲክስ) እምህር፣ ድሕሪኡ ከኣ ከም መደብ ምውጻእ ዝኣመሰለ ስራሕ እሰርሕ” ትብል።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቀዳምን ሰንበትን እውን ንዝተወሰነ ሰዓታት ትሰርሕ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ብሪጣንያ ዕጽዋ ምስተኣወጀ ሰዓታት ስራሕ ቁሩብ ጎዲሉ ነይሩ። ዳሕራይ ግን ኩሉ ትምህርቲ ካብ ገዛ ምስ ኮነ ወሲኹን ጽዒቑን ትብል። ካብቲ ብርሕቀት ዝግበር ትምህርቲ ከኣ እቲ ብኣካል ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ስርዓተ ምስትምሃር ትናፍቕን ተድንቕን። ኩነታት ናብ ቅድሚ ለበዳ ዝነበረ እዋን ናብ ንቡር ተመሊሱ ክትርእዮ ትብህግ።

ኣብ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ናይ ኒውሮስፔይስ ላባራቶሪ ተሓጋጋዚት ምርምር ኰይና ትሰርሕ ፡ ኦሊቭያ ኣብ ዝተፈላለየ ሳይንሳዊ ፈተነታት ኣብ ምክያድ ትሕግዝ፡ ቅምሶታት ትምርምርን ውጽኢቱ ትስንድን ።

እታ 22 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣሊስ፡ ኣብ ሰሙን ብገምጋም 70 ሰዓታት ትሰርሕ፤ ንሓንሳብ ለይቲ ከይተረፍ ክትሰርሕ ትግደድ። ምስ ምድኻምን ምቁጽጻርን ኮቪድ ከኣ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ ትትስፎ። ብኸምዚ ዘሎ ጻዕቂ ሰዓታት ስራሕ ክቕጸል ኣይከኣልን እዩ ከኣ ትብል።