ጆን ማጉፉሊ፡ ዛንታ ህላዌ ኮሮናቫይረስ ዝኸሓደ ፕረዚደንት

ታንዛንያዊ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ኣብቲ ብ24 ለካቲት፡ ኣብ ከተማ ዳሬሰላም ንዝስራሕ ዘሎ ዓቢ ፕሮጀክት ጽርግያ ከበግስ እንከሎ፡ እቲ ስራሕ ሰልፊ ሲ.ሲ.ኤም ጥራሕ እዩ ኣብ መፈጸምትኡ ከብጽሖ ዝኽእል ክብል ብጉራ ተዛሪቡ ነይሩ።

ነቶም ኮንትራክተራትን ንሰበ ስልጣን መንግስትን ንለበዳ ኮቪድ ከም መመኽነይታ ተጠቒሞም ነቲ ፕሮጀክት ከየደናጉዩዎ ኣጠንቂቑዎም። እቲ ዕዮ ምስተዛዘመ ከኣ፡ “እቲ ስራሕ ብምስምስ ኮቪድ ስለዘይተሰናኸለ ኣብ እዋኑ ተዛዚሙ እዩ” ኢሉ።

ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ኣኼባታት ከኣ፡ ብሓደ መዘምራን ተዓጂቡ፡ “ ኩሉ ኣቓልቦይ ኣብ ስራሕ ጥራሕ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

"ታንዛንያ ሃብታም ሃገር እያ፣ ሃብትና ንምምዕባል ሃገርና ክንጥቀመሉ ኣሎና" ኢሉ ነቶም ግብሪ ዘይከፈሉ ታንዛንያውያን ክምዕድ እንከሎ። ድሕሪ እቲ መደረ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ ማጉፉሊ ንመጨረሽታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተራእዩ።

ማጉፉሊ ኣብ 2015 ምስተመርጸ፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ መራሕቲ ፍልይ ዝበለ ናይ ስራሕን ተግባርን ሰብ ምዃኑ ከርኢ ብምፍታን ምስሊ ሓደ ዕቡይ ሰብ ኣማዕቢሉ።

እቶም ዕሉላት ደገፍቱ፡ "ግብራዊ ሰብ" ኢሎም ይጽውዕዎ ነይሮም። ኣመራርሕኡ ኪኖ ታንዛንያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከይተረፈ፡ “ማጉፉሊ እንታይ ይገብር ኣሎ” ሃሽታግ ብዝብል ቲዊት፡ ንብልሽውና ብዘይ ምሕረት ዝዋጋእ፡ ፕሮጀክትታት ከመይ ይኸዱ ከምዘለው፡ ብዘይ ዕረፍቲ ዝከታተል ዘይደክም መራሒ ምንባሩ ይውድሱዎ።

መብዛሕትኦም ታንዛንያውያን መንግስቲ ማጉፉሊ ብዘቕርቦ ዝነበረ ኣገለግሎት ይንእድዎ። እቲ ፖፒሊስታዊ መንግስቱ ግብራውን ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ኣርኣያ ከም ዝኸውን ደገፍቱ ይዛረቡ።

ናይ ህዝቢ ሰብ

ኣብ መገሽኡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ደው እናበለ ንህዝቢ የዘራርብ ብምንባሩ፡ ደገፍቱ ኣብታ ሃገር ንዝገብሮ ዝነበረ ነዊሕ ሰዓታት ጉዕዞ ክናፍቑዎ እዮም።

ኣብቲ መብዛሕቱ ግዜ ብተሌቪዥን ብቐጥታ ዝመሓላላፍ ዝነበረ ነዊሕ መገሻታቱ፡ ጸገማት ህዝቢ ንምስማዕ ኣኼባታት ይውድብ ብምንባሩ ንብዙሓት ሰበስልጣን የሰምብዶም ነይሩ።

ብዙሓት ሰባት ናብተን ብከቢድ ኣጽዋር ዝሕለዋ ቃፍላይ ሓለውቱ እናቐረቡ ይዕጅቡዎን ይኸቡዎን ነይሮም።

እቶም ደፊሮም ክሓቱዎ ዕድል ዝገበሩ ሰባት ብዛዕባ ምድንጓይ ፕሮጀክትታት መገዲ፡ ሸንኮለል መስርሕ ኣብያተ ፍርዲ፡ ብዛዕባ ቀረብ ማይን ምምሕዳራዊ ቅሬታታትን ይዛረቡዎ ነይሮም።

ጆን ማጉፉሊ ኣብ መገዲ ደው እናበለ ምስ ህዝቢ ምርኻብን ምዝራብን የሐጕሶ ነይሩ።

ማጉፉሊ ኣብ ልዕሊ እተን ድሩዓት መካይን ደይቡ ማይክሮፎን ገይሩ ሕቶን ርእይቶን ህዝቢ ይሰምዕን ይምለስን ነይሩ። ሓዲሽ ኣዋጅ ብምእዋጅ ከኣ፡ ንገሊኦም ሰበ-ስልጣን ይሸሞም ነቶም ዝሩጋት ዝበሎም ከኣ ይሰጎም ነይሩ። ንገሊኦም ሓተትቲ እውን የዋርዶም ነይሩ።

ሓደ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ዳሬሰላም፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ ክቡር ብምዃኑ ምስ ኣማረረ፡ "እሞ ቀልቀልካ ኣብ ቤትካ ሕደጎ" ክብል ገኒሑዎ።

ፖለቲካውያን ተጻረርቲ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ትካላት ዕደና፡ ምዕራባውያን ሃገራት ይኹና ንረብሓን ባህልን ታንዛንያን ዘዳኽም ኣካል ካብ ጮግራፍ መግናሕቱ ኣየምልጡን እዮም።

ሓያሎ ነቐፍቱ፡ ማጉፉሊ፡ ሰብኣዊ ኣምልኾ ክፈጥር ዝጽዕር ምስ ሙዚቀኛታትን ኮሜዳውያንን ምንም ዓይነትን ርክብ ዘይነበሮ፡ ምዝንጋዕ ኮነ ዳእላ ዘይፈልጥ ተጃሃሪ ውልቀ መላኺ ከምዝነበረ ይዛረቡ።

ኣብታ ሃገር ከቢድ ፍርሒ ስለ ዘስረጸ፡ ዋላ እውን ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ህዝቢ እንተ ዘይተራእየ፡ ፖሊሲታቱ ብዘይ ሕቶ ክቕጽል ጸኒሑ። እቶም ብዛዕባ ሃለዋቱ ዝሓተቱ ኮነ 'ማጉፉሊ ኣበይ ኣሎ? ክብሉ ግምታቶም ዝሃቡ "ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።

እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ምስቲ “ነብሰይ ንታንዛናውያን ኣወፍየያ” እየ ዝብሎ ተገራጫዊ እዩ። ንሚድያ እታ ሃገር እውን ደንጽዩወን እዩ።

ንሓያሎ ጋዜጣታት፡ መደበራት ሬድዮን ቲቪን ከምኡ እውን ንማሕበራዊ መራኸቢታት ታንዛንያ መንግስቲ ዘይፈትዎ ነገር ብምጽብጻበን ዓጽዩወን እዩ።

ንዝጠንሳ ደቀንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ንከይከዳ ዝእግድ ፖሊሲታቱ'ውን ይንቀፍ እዩ። ብዝያዳ ግን ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ነቲ ሳይንስ ዝደገፎ ክውንነት ነጺጉ፡ ታንዛንያ ካብ "ኮቪድ-ነጻ" እያ ብምባሉ ብኸቢድ ተነቒፉ።

ናይ ኬሚስትሪ መምህር ነበር ማጉፉሊ፡ ጸኒሑ፡ ኣብ ድሕነት ማስኬራታትን ክታበትን ጥርጣረታት ብምሕዳር፡ ንታንዛናውያን ንምጕዳእ ዝተኣልመ ውዲት የምስሎ ነይሩ።

ኣብ ሓደ እዋን ንፓፓዮን ናይ ጤል ስጋን ቅምሶታት ኮቪድ-19 ንኽግበረሉ ብምልኣኽ ነቲ ውጽኢት ብዛዕባ ኮቪድ ዘለዎ ጥርጣረ ከም መመኽነይታ የቕርቦ ነይሩ።

ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሸለልትነትን እምቢታን ኣብ ህይወት ሰባት ዓቢ ክሳራ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ብርቱዕ ሰብን ሓያል ትካላትን

ድሕሪ ማጉፉሊ ኣብ ታንዛንያውያን ሓያል ክትዕ ክህሉ እዩ። እቲ ዝትክኦ ሰብ ነቲ ማጉፉሊ ዝኽተሎ ዝነበረ መገዲ ክቕጽሎ ድዩ ክልወጥ ብሕጂ ክረአ እዩ - ክትዕ ምህላው ግን ዘይተርፍ እዩ።

እዚ ክትዕ እዚ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብርቱዓት ሰባት ድዮም ዘድልዩዋ ወይ ከኣ ሓያል ትካላት ዝብል ነገር ገና ሕጂ እውን ክቕጽል እዩ።

ማጉፉሊ፡ ትካላዊ ደረት ስለ ዘይነበሮ ንብዙሓት ሰባት ኣይሰሓቦምን። ነቶም ብሰንኪ ዘይብቑዕ ምሕደርኡ ተስፋ ዝቘረጹ ሓያሎ ዜጋታት እዚ ኩነታት ተስፍኦም ዘሐድስ እዩ።

ኩሎም ኣፍሪቃውያን ብሕጊ ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት ክኾና፡ ካብ ጭኮና ናጻ ክኾኑ፡ ክብረት ዘለዎ ህይወት ክነብሩ፡ ብቕንዕናን ብሓቅን ዘመሓድሩ ብግብሮም ዝኽበሩ መራሕቲ ክህልዉዎምን ብዛዕባ ጥዕና ፕረዚደንቶም ሓበሬታ ዘይሓብእ መንግስቲ ክህልዎም እዮም ዝደልዩ።

ሞት ሚስተር ማጉፉሊ ብ "ጸገም ልቢ" ከምዘጋጠመ እኳ እንተ ተነግረ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጥሩ።

እቲ ብድርቅና ዝኸሓዶ ለበዳ ኮቪድ ዕድመ ኣይሃቦን። መሪሕነቱን ተግባራቱን ከኣ ኣብቲ ዞባን ኣህጉርን ብጥርጣረ ከምዝረአ ገይሩዎ።