ታንዛንያ፡ ንዝሞተ መራሒ ብምትካእ ሃገርን መንግስትን ክትመርሕ ትዳሎ ዘላ ጓል-ኣንስተይቲ

ትማሊ ረቡዕ ምሸት ሞት መራሒ ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ንህዝባ ወግዓዊ ዝገበረት ምኽትል ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ንዕኡ ተኪኣ ነታ ሃገር ንምምራሕ ስልጣን ክትርከብ ትጽቢት ይግበር።

ንፈለማ ኣብ 2015 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ምስ ፕረዚደንት ማጉፉሊ ተመሪጻ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ዳግም ተመሪጻ ህዝባ ከተገልግል ስለዝጸንሐት ነቲ ብሞት ዝተፈለየ ፕረዚደንት ተኪኣ ንዝተረፉ ዓመታት እብረ ስልጣኑ ነታ ሃገር ክትመርሕ’ያ።

ስልጣን ብወግዒ ምስተቐበለት ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ኣብ መንበረ ስልጣን ዘላ መራሒት ሃገር ክትከውን’ያ። ምኽንያቱ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ጽምብላዊ እጃም ዘለዋ እምበር መራሒት መንግስቲ ኣይኮነትን።

ጓል 61 ዓመት ሳሚያ ‘ማማ ሳሚያ’ ብዝብል’ያ ትፍለጥ። እዚ ድማ ብባህሊ ታንዛኒያውያን ንዘለዋ ክብሪ ዘርኢ’ዩ።

ኣብ 2015 ነቶም ኣብታ ሃገር ሙኩራት ዝኾኑ ፖለቲከኛታት በሊጻ ክትወጽእ ምኽኣላ ንብዙሓት ዘገረመ ኣጋጣሚ ምንባሩ ይግለጽ።

ኣብ 2000 ናብ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝተመረጸት ሳሚያ: ኣብ 2014 ከኣ ሓድሽ ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ንከርቅቕ ኣብ ዝቖመ ጉባኤ ምኽትል ኣደመንበር ብምዃን ተሸይማ።

ንዝፍጠሩ ናዕብታት ብዝሃድአ መገዲ ንምቁጽጻር ዘለዋ ብቕዓትን ምስ ካልኦት ዘለዋ ምርድዳእን ናእዳ ክትረክብ ኣኽኢሎምዋ’ዮም።

ብባህርያታ ክትረኣይ ከላ’ውን ካብቲ ትማሊ ህይወቱ ዝሓለፈ ጆን ማጉፉሊ ዝተፈለየ እዩ።

ንሱ ዘምጽኣሉ ካብ ምዝራብ ሕንኽ ኣብ ዘይብለሉ እዋን ኮነ ንስምዒታታቱ ክሓብእ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ንሳ ግን ሓሲባን ኣስተንቲናን ንነገራት ትርእይ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቅኑዕ ኣካይዳታት እትኣምንን ካብ ምዝራብ ምድማጽ እተቐድምን ከምዝኾነት’ውን ይዝረበላ።

“በዓልቲ ዓቕሚ መራሒት”

ጃንዋሪ ማካምባ ዝተበሃለ ኣባል ባይቶ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ፕረዚደንት ሓቢርዋ ይሰርሕ ነይሩ። ንሱ “ኣብ ታንዛኒያ ብጣዕሚ ዝተነኣኣሰት ፖለቲከኛ” ክብል ይገልጻ።

“ብቐረባ ሓቢረያ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ነቲ ዘለዋ ናይ ስራሕ ስነምግባር፣ ውሳነ ናይ ምሃብ ዓቕምን ተኣፋፊ ባህርን ተዓዚበ” ክብል ይገልጽ።

እዚ ግን ብመዳይ ፖሊሲ ናበይ ክወስዳ ከምዝኽእል ግን ብንጹር ንምፍላጥ ዘጸግም'ዩ።። እቲ ብሞት ዝተፈለየ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ ሸለልትነት ዝመልኦ መርገጺ ክቅጽሎ ድያ ኣይኮነትን ኣብ ውሳነ ክትበጽሕ ኣለዋ።

ነቲ ፕረዚደንት ተኣማኒት ምንባራ ዘጠራጥር’ኳ እንተዘይነበረ፤ መርገጺኣ ኣብ ምግላጽ ግን ትፈርሕ ሰብ ኣይነበረትን።

ነዚ ዓብዪ መረጋገጺ ክኸውን ዝኽእል ኣብ 2017 መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቱንዱ ሊሱ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ተሪፉ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ሕክምና እናረኸበ ከሎ ናብኡ ከይዳ ዝሓተተትሉ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ ተግባራ ድማ ኣብ ታንዛኒያ ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ ነይሩ።

ብዙሕ ኣይትፍለጥን!

ካብ 2015 ጀሚራ ምኽትል ፕረዚደንት ካብ ምዃናን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መንግስቲ ብሚንስትርነት ካብ ምግልጋላን ብዝሰገረ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወታ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኣብ 1960 ኣብ ዛንዚባር ተወሊዳ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ታንዛኒያን ብሪጣንያዊ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተርን ድማ ‘ፐብሊክ ኣድሚንስትሬሽን’ ኣጽኒዓ።

ኣብ 1978 ሃፊድ ኣሚየር ምስ ዝተበሃለ ምሁር ዓውዲ ሕርሻ ሓዳር ገይራ። ሳሚያ ምኽትል ፕረዚደንት ኮይና ካብ ዝተሸመትሉ እዋን ጀሚሩ ግን ክልቲኦም ኣብ ስእሊ’ኳ ብሓባር ተራእዮም ኣይፈልጡን።

ኣርባዕተ ቆልዑ ዘለውዎም ኮይኖም ምዋኑ ሓፊድ ዝተበሃለ ወዶም ኣብዚ እዋን ኣባል ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዛንዚባር’ዩ።

ኣፍሪቃውያን ደቂኣንስትዮ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን

1993 - ስሊቪየ ኪኒንጊ- ጊዚያዊ ፕረዚደንት ቡሩንዲ - መልቺየር ንዳዳየ ምስተቐተለ ተሸይማ ዝነበረት

2006 ክሳብ 2018 - ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ - ፕረዚደንት ላይቤርያ ዝነበረት

2009- ሮስ ፍራንሲን ሮጎምቤ - ንሞት ፕረዚደንት ሃገረ ጋቦን ኦማር ቦንጎ ስዒቡ ብጊዚያዊ ፕረዚደንትነት ዝተሾመት

2012 - ሞኒክ ኦህሳን በልፒው - ፕረዚደንት ሃገረ ሞሪሽየስ ካብ ስልጣኑ ምስወረደ ብጊዚያውነት ዝተተከአት

2012 ክሳብ 2014 - ጆይስ ባንዳ - ፕረዚደንት ቢንጉ ዋ ሙታሪካ ምስ ሞተ ብፕረዚደንትነት ንማላዊ ዝመርሐት

2014 ክሳብ 2016 - ካትሪን ሳምባ ፓንዛ - ናይ ስግግር ፕረዚደንት ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ መራሒት ዝነበረት

2015 ክሳብ 2018 - ኣሚና ጉሪብ ፋኪም - ብፓርላማ ዝተመረጸት ፕረዚደንት ሞሪሽየስ

2018 ክሳብ ሕዚ - ሳህለ ወርቅ ዘውዴ - ብፓርላማ ዝተመረጸት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ