እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ‘ካብ ቁጽጽር ወጻኢ’ ክኸውን ከምዝኽእል ሚኒስተር ጥዕና ኣጠንቂቓ
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ ሰሙናት ጀሚሩ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ፣ ናብ ክፍሊታት ጽኑዕ ክትትል ዝኣትዉን ዝሞቱን ቁጽሮም “ብዘሰንብድ ኩነታት” ከምዝወሰኸ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሊጡ።
ቅድም ክብል ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ዝኣትዉ ዝነበሩ ሰባት ብዝሖም ኣብ ከባቢ 400 ዝጸንሐ ኮይኑ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 600 ተጸጊዑ’ሎ።
ብሰኑይ ቁጽሪ ናይቶም ብጽኑዕ ሓሚም ኣብ ክፍሊ ብጽኑዕ ክትትል ዝነበሩ ሰባት 531 እኳ እንተነበረ: ትማሊ ሰሉስ ግን ብ60 ወሲኹ ናብ 591 ከምዝበጽሐ ጸብጻብ እቲ ኢንስቲትዩት የመልክት።
እዚ ድማ ኣብ ትካላት ጥዕና ጽዕንቶ ከምዝፈጠረ ከምኡ’ውን ሕጽረት ቬንትሌተርን ኦክስጅንን ከጋጥም ምኽንያት ከምዝኾነን ተሓቢሩ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ናይ ዝተኻየዱ ምርመራታት ኮሮናቫይረስ፤ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ ልዕሊ 1300 ሰባት በቲ ለበዳ ይተሓዙ ከምዘለዉ ዘመልክት’ዩ።
እዚ ኸኣ ካብ 100 ሰባት እቶም 19 ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ዘረድእ ኮይኑ፤ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ብልዕሊ 32 ሚኢታዊት ምውሳኹ የረድእ።
ኣብ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እውን ወሰኽ ይረአ ኣሎ። ብማእከላይ ገምጋም 15 ሰባት መዓልታዊ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ይሞቱ ኣለዉ።
ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸውን ተሰጊኡ’ሎ!
ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ “እቲ ለበዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ቅድሚ ምዃኑ ኩሉ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣለዎ” ክትብል ኣተሓሳሲባ።
ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብዝለዓለ መጠን ከምዝወሰኸ ድማ ገሊጻ። ቅድም ክብል እቲ ቫይረስ ዝርከቦም 10 ሚኢታዊት ጥራይ ምንባሮም ዘዘኻኸረት እታ ሚንስተር: ኣብዚ እዋን ግን እቲ ቁጽሪ ብማእከላይ ገምጋም ናብ 17 ሚኢታዊት ከምዝደየበ ሓቢራ።
ክሳብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝነበሩ 10 መዓልታት ጥራይ “ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ክረጋገጽ ከሎ፤ 149 ሰባት ሞይቶም” ኢላ።
ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ክትትል ዝወሃበሎም ክፍልታት ከምዝመልኡ፣ ንመተንፈሲ ዝሕግዙ መሳርሕታት [ቬንትሌተራት] ኩሎም ብሕሙማት ከምዝተትሓዙን ሕጽረት ኦክሲጅን ከምዘጋጠመ'ውን እታ ሚኒስተር ጠቒሳ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ 15 መጋቢት 2021 [06/2013] ኣብ ዝተገበረ ምርመራ 176,618 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ክረጋገጽ ከሎ 2,555 ሰባት ድማ ሞይቶም።
በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ 66 ሕሙማት ብቬንትሌተር ይድገፉ ከምዘለውን: ካልኦት 8 ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ግን እቲ ማሽን ንምርካብ ይጽበዩ ከምዘለዉ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ’ሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ እቲ ኣብታ ሃገር ክወሃብ ጀሚሩ ዘሎ ክታበት ኣስትራዜኔካነ ከምዝቕጽል ተዛሪባ’ላ።
ገለ ሃገራት ምስቲ ክታበት ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ብዝጠርጠርኦ ገለ ጸገማት ጥዕና ምኽንያት ነቲ ዓይነት ክታበት ደው ከብላ’ኳ እንተወሰና ኢትዮጵያ ግን ከምዘይተቋርጾ ዶክተር ሊያ ገሊጻ።