እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቁጽሪ ኣብ ኢኳቶሪየል ጊኒ ብዘጋጠመ ሓያል ነትጒ ዝሞቱ ሰባት 98 በጺሑ
ቁጽሪ በቶም ትማሊ ኣብ ዓባይ ከተማ ኢኳቶርያል ጊኒ ዝኾነት 'ባታ' ዘጋጠሙ ነትጒታት ዝሞቱ ሰባት 98 ከምዝበጽሐ ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ብተወሳኺ በቲ ሓደጋ 615 ሰባት ዝተጎድኡ እንተኾን፡ እቶም 299 ኣብ ሆስፒታል እዮም ዘለዉ።
ቁጽሪ መወትቲ 31 ከምዝኾነ ተገሊጹ ዝነበረ ኮይኑ፡ ወለንተኛታት በዘካየድዎ ኣለሻ ግና፡ እቲ ቁጽሪ ሰለስተ ዕጽፊ ኮይኑ ኣሎ፡፡
ፕረዝደንት እታ ሃገር፡ ምስ ሓደ መኽዘን ‘ዳይናማይት’ ዝዛመድ “ዕሽሽታ” ጠንቂ እዞም ነትጒታት ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ዝተዓኾለለ ዓቢ ትኪን መጠነ ሰፊሕ ጉድኣትን ከምዝበፅሐ ዘርእዩ ስእልታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ እንትኾኑ፡ ብሃገራዊ ተሌቬዥን ኢኳቶርያል ጊኒ’ውን፡ ሰባት ኣብቶም በቶም ነትጒታት ዝዓነዉ ህንፃታት፡ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት እንክእልሹ ተራእዮም።
ፕረዝደንት ቴዶሮ ኦቢያንግ ኢንጉማ፡ እቲ ነትጒ ኣብ ከተማ ባታ ኣብ ዝርከቡ ዳርጋ ኩሎም ገዛውትን ህንፃታትን ጉድኣት ከምዘውረደ ብምግላፅ፡ ዓለም ለኻዊ ሓገዝን ረድኤትን ክግበር ተማሕፂኑ።
ኣብ ጥቓ እቶም ወተሃደራዊ ገዛውቲ ኣብ ዝርከቡ ግራውቲ ብሓረስቶት ዝተፈጠረ ንዳድ (ሓዊ) ስዒቡ፡ እዚ ነትጒ ኣጋጢሙ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እቲ ፕረዝደንት ወሲኹ ገሊፁ።
ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር፡ ወለንተኛታት ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ባታ ናብ ዝርከብ ዞባዊ ሆስፒታል ክኸዱን፡ ልዑል መጠን ጉድኣት ስለዘጋጠመ ልግሲ ደም ክግበርን፡ ብመገዲ ትዊተር ሓቲቱ።
ከባብያዊ ሆስፒታላት፡ በቲ ሓደጋ ብዝተጎድኡ ተሓከምቲ ከምዝመልኣ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ኣብ ሓደ ዝተጨናነቐ ሆስፒታል ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ መሬት ደቂሶም ተራእዮም እዮም።
ድሕሪ እቶም ነትጒታት ዝተሻቐሉ ሰባት ካብቲ ብትኪ ዝተዓብለኸን ሕንፍሽፍሽ ዝበለን ቦታ እንክሃድሙ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ እዩ።
ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ነቲ ነትጒ ሰሚዕና፤ ነቲ ትኪ ርኢና። እንታይ ይኾን ከምዝነበረ ግና ኣይንፈልጥን” ኢሉ።
ነዚ ፍፃመ፡ “መቕዘፍቲ” ክብል ዝገለፆ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኦሊቨር ብሮኮነን ፡ ንግዳያት ሓዘኑ ገሊፁ።
ኤምባሲ ስፔን’ውን ዜጋታት ሃገሩ፡ ኣብ ገዝኦም ክኾኑ ኣገንዚቡ ኣሎ።
ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ 1968 ነፃነታ ክሳብ ትእውጅ፡ ግዝኣት ስፔን እያ ኔራ።