ኣሜሪካ ንሰለስተ ሰሜን ኮርያውያን ብስርቂ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ከሲሳ

ኣሜሪካ: ሰለስተ ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ዙርያ ዓለም ካብ ዝርከቡ ባንክታትን ትካላትን፡ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ክሰርቁ ፈቲኖም ብምባል ክሲ መስሪታ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዘይኣተው ሰለስተ ጥርጡራት፡ ተጓዳኢ ናይ ዲጂታዊ ባጤራ ፕሮግራማት ከም ዝዘርጉሑ'ውን ተኸሲሶም።

ብዘይካ'ዚ ሓደ ካናዳዊ-ኣሜሪካዊ 'ውን ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ተኸሲሱ ኣሎ።

እቶም ሰሜን ኮርያውያን፡ ኣብቲ ኣብ 2017 ዝተፈጸመ፡ ንኮምፕዩተራዊ ስርዓተ ጥዕና ብሪጣንያ ዘልመሰ፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ዋናክሪ፡ ኢድ ከም ዘለዎም ይኽሰሱ።

ተሓጋጋዚ ዋና ኣኽባር ሕጊ ንሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ፡ ጆን ደመርስ ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰሜን ኮርያ "ባንዴራኣ ዝሰቐለት ገበነኛ ጉጅለ ኮይና ኣላ" ኢሉ።

ሓደ ካብቶም ክሱሳት ዝኾነ ፓርክ ጂን ሂዮክ፡ በቲ ኣብ 2014 ኣብ ልዕሊ ትካል ምዝንጋዕ ሶኒ ኢንተርቴይንመንት ፒክቸርስ ዝተፈጸመ መርበባዊ ምስርሳር ብዝነበሮ ኢድ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተኸሲሱ ነይሩ እዩ።

ፓርክ ጂን ሂዮክን ጆን ቻንግ ሂዮክን ኪም ኢልን ምስ ገበን ብዝተሓሓዝ ውዲት፡ በምትላል ገንዘብ ናይ ምስግጋር ውዲትን ምጭብርባር ባንክን ዝብል ክስታት እዩ ቀሪቡሎም ዘሎ።

ቤትጽሕፈት ፍትሒ ኣሜሪካ፡ እቶም ክሱሳት ሰራሕተኛታት ትካል ስለያ ሰሜን ኮርያ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

"ብረት ዘይኮነ ኪቦርድ ዝዓጠቑ ጥረ ገንዘብ ዘይኮነ ማእከን ዲጂታዊ ባጤራ ዝጕሕሉ ሰሜን ኮርያውያን ናይ ዓለም ፍሉጣት ሰረቕቲ ኮይኖም ኣለው" ኢሉ እቲ ኣኽባር ሕጊ።

ሰለስቲኦም ክሱሳት ኣብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝርከቡ ዝእመን እኳ እንተኾነ፡ ሰሜን ኮርያ ዜጋታታ ኣብ ኣሜሪካ ክኽሰሱ ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ወዲ 37 ዓመት ነባሪ ሚሲሳውጋ ኦንተርዮ፡ ካናዳዊ ኣሜሪካዊ፡ ጋለብ ኣላውማሪ ናይቲ ጉጅለ ኣሰጋጋሪ ገንዘብ ምዃኑ'ዩ ተኸሲሱ። ንሱ ቃለ ተኣምኖ ክህብ ፍቓደኛ ኮይኑ ከም ዘሎ ሰብ መዚ ሓቢሮም።