ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ህዝቢ ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ክርሕቕ ኣጠንቂቑ

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ህዝቢ ንዓርሱ 'ዒላማ ከይኸውን' ነቶም ናይ 'ጥፍኣት ሓይልታት' ዝበሎም ኣሕሊፉ ክህብ ኣጠንቂቑ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ትግራይ ቴሌቪዝን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ 'ካብ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ዝተረፉ' ዝበሎም ሓይልታት ተበታቲኖም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ተሓቢኦም ከምዝርከቡ ገሊጹ።

"ኣብ ከተማታትን ገጠርን ትግራይ፡ እቶም ካብ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ዘምለጡ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት፡ ነቲ ህዝቢ ከውሊ ብምግባር፡ ናይ'ቲ ህዝቢ ሰላም ክዘርጉን ኣብ ዝውሰድ ናይ ዓጸፋዊ መልሲ፡ ናብ ካልእ ከቢድ ቅልውለው ክመልሱዎን ይጽዕሩ ምህላዎም ተረጋጊጹ ኣሎ" ይብል እቲ መግለጺ።

እቲ ምምሕዳር፡ ነቶም ኣብ'ቲ መግለጺኡ 'ሓይልታት ጥፍኣት' እናበለ ንዝጽወዖም፡ ህዝቢ ትግራይ ምእንተ ሰላሙን ድሕነቱን ክብል 'ከየዕቁብ፣ ኣሕሊፉ ክህብን' እንተዘይኮይኑ ግን በቲ ዝውሰድ ናይ ዓጸፋ ስጉምቲ 'ዒላማ ከይኸውን' ኣጠንቂቑ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ሓይልታት ፌዴራል መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ኣመልኪቱ ይዛረብ ከምዘሎ ግልጺ'ኳ እንተኾነ፡ ብስሞም ኣይጸወዖምን።

እቲ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ተኣዊጁ ዝፍጸም ዘሎ ካብ 12 ሰዓት ናይ ምሸት ክሳብ 12 ናይ ንጎሆ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎን፡ ህዝቢ ከኽብርን ኣብ ሰዓቱ ናብ ገዝኡ ክኣቱን'ውን ሓቲቱ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር: ነቲ ዝፈረሰ መሰረተ ልምዓት ዳግም ክሃንጽ፣ ጸጥታ ከኽብርን ፖለቲካዊ መሰላት ህዝቢ ከረጋግጽን ይሰርሕ ክመዘሎ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክድግፍን ክተሓባበርን'ውን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ኣብቲ ክልል 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ነቲ ህዝቢ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥርን ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።

ትካላት ረድኤትን ውደብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሕማቕ ምዃኑን “ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ክሃልቁ ከም ዝኽእሉን” ኣጠንቂቖም ኣለው።

ፕረዚደንት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ግዳያት ኲናት ንዝኾኑ ሰባት ተወሳኺ ሓገዛት ብህጹጽ ክበጽሕ ጸዊዑ'ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ሓለፊ ትካል መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከብጽሑ ከምዝተስማምዑ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝበጽሐ ሓላፊ እቲ ትካል፡ ን1.3 ሚልዮን ህዝቢ ንምርዳእ 20 ሽሕ ቶን ምግቢ ኣብ መላእ ትግራይ እናብጸሐ ከምዝኾነ ብምስሊ ኣደጊፉ ገሊጹ ነይሩ።

ሚኒስተር ሰላም ኢትዮጵያ'ውን፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብቲ ክልል ን1.8 ሚልዮን ሰባት ናይ መግብን ተመሳሳልን ሓገዛት ከም ዝተገበረ ሓቢሩ።

ነቲ ኲናት ስዒቡ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዝተመዛበሉ ኾይኖም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ዓመዓባብላ ናይቲ ግጭት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ሒዙዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ 2019 ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገ መንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።