እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብተቓወምቲ ተታሒዙ ዝነበረ ከባቢታት ዳግማይ ተቖጻጺሩ
መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብተቓወምቲ ተታሒዙ ዝነበረ ከባቢታት ዳግማይ ከምዝተቖጻጻሩ ሓቢሩ።
መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብሓገዝ ሰራዊት ሩስያን ርዋንዳን ብተቓወምቲ ሓይልታት ተታሒዛ ዝነበረት ከተማ በሎኮን ካልኦት ከበቢታትን ከምዝሓ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ግጭት ብዙሓት ዕጡቓት ንዝተፈላለዩ ከባቢት እታ ሃገር ተቖጻጺሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ግን እቶም ዕጡቓት ሓባራዊ ግንባር ብምምስራት ኣንጻር መንግስቲ ኲናት ከፊቶም።
ምሓዝ እዛ ከተማ ነቲ ተዓጽዩ ዝጸነሓ ኣገልግሎት ቀረባት መገዲ ከምዝኸፈቱ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
መንግስቲ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ምስ ሓልታት ርዋንዳን ሩስያን ብምዃን ብርክት ዝበላ ከተማታት ሓራ ከምዘወጽአ ኣመኪቱ።
ሩስያን ርዋንዳን፣ ነቲ ቅድሚ ሰለሰተ ዓመታት ብምርጫ ናብ ስልጣን ዝመጸ፣ ፕረዚደንት ፎስታ ኣርሻንዥ ቱዋደራ ንምሕጋዝ ሰራዊተን ከምዝልኣኻ ይፍለጥ።
ሰብ መዚ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጥምረት ውድባት ተቓውሞ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ድሕሪ ምልዕዓሎም፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር፡ ፍራንኮይዝ ቦዚዝ፡ ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከሲሶም። ንሱ ግን ነዚ ክሲ ነጺግዎ’ሎ
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ከም ኣልማዝን ዩራንየምን ዝኣመሰሉ ክቡራት ማዕድናት ዝለዋ ሃገር’ኳ እንተኾነት፡ ካብተን ኣዝየን ድኻታትን ዘይተረጋገኣን ሃገራት ዓለም እያ።
ወድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ፍርቂ ናይቲ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ድማ፡ ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ ይርከብ።