እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከሲሳ
ሰብ መዚ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጥምረት ውድባት ተቓውሞ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ምልዕዓሎም ስዒቡ፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር፡ ፍራንኮይዝ ቦዚዝ፡ ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከሲሶም።
ገለ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ተኣመንቲ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታት፡ ኣብ ቦዝምበሌ ዝተብሃለት ከተማ ዝተርእዩ ኮይኖም ናብታ ርእሰ ከተማ ባንጒ የምርሑ ከምዝነበሩ ይዝረብ።
ቦዚዝ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብቲ ኣብ መጻኢ ሰሙን ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ንከይሳተፍ ምውሳኑ ስዒቡ እዩ እዚ ውጥረት ዝባላሕ ዘሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓይልታት ኣኽበርቲ ሰላም ኣዋፊሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ገለ ሓይልታት ተቓውሞ ድማ፡ ኣብ ጥቓ’ታ ርእሰ ከተማ ዝርከባ ካልኦት ከተማታት ተቒጻጺሮም ምስ ሓይልታት መንግስቲ ይጓነጹ ከምዘለዉን ይዝረብ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብታ ርእሰ ከተማ ዝወስዱ መስመራት ከይዕጸው ንምክልኻል ሓይሉ ከምዘዋፈረ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ከም ኣልማዝን ዩራንየምን ዝኣመሰሉ ክቡራት ማዕድናት ዝበልጸገት ሃገር እንተኾነት’ኳ፡ ካብተን ኣዝየን ድኻታትን ዘይተረጋገኣን ሃገራት ዓለም ሓንቲ እያ።
ወድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝብሎ፡ ፍርቂ ናይቲ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበ እዩ። ሓደ ኢድ ናይ ሓሙሽተ ድማ፡ ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ ይርከብ።
መንእዮምእቶም ቀንዲተዋሳእቲ?
ፍራንኮይዝ ቦዚዝ ብእምነት ክርስትያን ኮይኑ ኣብ 2003 ብዕልዋ መንግስቲ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ካብኡ ድማ፡ ክልተ ምትላላት ዝበዝሖም ከምዝኾኑ ዝንገረሎም ሃገራዊ መረጻታት ኣካይዱ ተዓዊቱ።
እንተኾነ፡ ኣብ 2013 ‘ሰለካ’ ብዝበሃል ኣብዝሓ ሰዓብቲ እስላም ዝመስረትዎ ዓማጺ ጉጅል ካብ ስልጣን ኣልይዎ።
እቲ ጉጅለ፡ ነቲ ፕረዚደንት ‘ስምምዕ ኣፍሪሱ’ ኢሉ ምስ ከሰሰ እዩ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ወሲዱ።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ብፍላይ ካብ ክርስትያን ዝበዝሑ ዘጣየሽዎ ፡ ‘ኣንጻር ባላካ’ ዝበሃል ኣብ ዓርሰ ምክልኻል ምስ ዘድሀበ ጉጅለ ኣብ ጎንጺ ስለዝኣተዉ፡ እታ ሃገር ጨና ሰላም ሓሪምዋ ጸኒሑ።
ካብኡ ባዕዳዊ ገዛኢት እታ ሃገር ዝነበረት፡ ፈረንሳይ፡ ብወተሃደራዊ ኢድ ኣእታዊነት፡ ኣብ 2016 መረጻ ክካየድ ብምግባር ፕረዚደንት ፎስቲን-ኣርቻንጄ ቶዴራ ክዕወት ገይራ።
ሕጂ ንሱ እዩ ደጊሙ ንክምረጽ ዝጓየ ዘሎ።
ኣብታ ሃገር፡ ወግእ ሕድሕድ ይቅጽል ኣሎ፤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድማ ነቲ ተቓዋሚ ጉጅለ እዩ ዝነቅፍ።
ቦዚዝከ?
ወዲ 74 ዓመት ቦዚዝ፡ ንሽደሽተ ዓመታት ኣብ ቤኒን፣ ካሜሮንን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2019 እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
ኣብቲ 27 ታሕሳስ ዝካየድ መረጻ፡ ክወዳደር ምዃኑ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣፍሊጡ።
ቦዚዝ፡ ሰፊሕ ማሕበረሰባውን ወተሃደራውን ድጋፍ ከምዘለዎ እዩ ዝእመን።
እንተኾነ፡ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት እገዳ ዝተነብሮ ኮይኑ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ድማ፡ ብገበን -ኣንጻር ሰብኣዊነትን ምጽናት ዓሌትን ዝድለ እዩ።
ሕዚ ግን ናቱ ጉጅለ ሓዊሱ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ውድባት ተቓውሞ ጥምረት ዝፈጠሩ ኾይኖም፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ነቲ መረጻ ይጨዊ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም ኣለዉ።
ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ትልሚ ዝተትሓዘሎ መረጻ፡ ሩስያን ፈረንሳይ’ውን ጽልዋ ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ይንገር።