እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩዋንዳ ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተወሰኽቲ ሰራዊት ሰዲዳ
መንግስቲ ሩዋንዳ ‘ሰራዊት ሓለዋ’ ኢሉ ዝሰመዮም ተወሰኽቲ ሰራዊት ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሰዲዱ።
መንግስቲ ሩዋንዳ ኣቐዲሙ ናብታ ሃገር ዝሰደዶም ዓቐብቲ ሰላም፡ በቶም ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት በንጋዩ ክቆጻጸሩ ቁሩብ ዝተረፎም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለ ምስ ተጠቕዑ እዩ ንመንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ተወሰኽቲ ሰራዊት ናብታ ሃገር ልኢኹ።
መንግስቲ ሩዋንዳን መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ነበር ፈራንኮይስ ቦዚዝ ዝሕግዞም ሰራዊት እዮም ኣካይደሞ፡ እቲ ቐንዲ ዕላምኡ ኸኣ ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ’ዩ፡ ክብላ እንከለዋ፡ ንሱ ግን ነዚ ክሲ ነጺግዎ’ሎ።
ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ነበር ፈራንኮይስ ቦዚዝ፡ ኣብ'ቲ ሰንበት ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ከይሳተፍ ምእጋዱ ዝዝከር እዩ።
ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ንሓይሊ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝገትእዎ ገሊጾም ኣለዉ።
ሩስያ ብወገና ንመንግስቲ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ኣማኢት ሰራዊትን ከበድቲ ኣጽዋርን ናብታ ሃገር ከምዝሰደደት ንውሃቢ ቃል መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ብምርቋሕ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ።
ውሃቢ ቃል ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ኣነገ ማኢም ካዛንጉ ሰራዊት ሩስያ ብመሰረት ኣቐዲሙ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተበጽሐ ክልትኣዊ ስምምዕ ሓገዞም ከበርክቱ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ገሊጹ።
መንግስቲ ሩስያ ግን፡ ብዛዕባ ሰራዊቱ ናብ ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ምስዳዱ፡ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ነገር የለን።
ውሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ ብሰኑይ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሩስያ በቲ ኣብ ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ተሻቒላ ምሃላዋ ገሊጹ ነይሩ።
ውሃቢ ቃል ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ኣነገ ማኢም ካዛንጉ ሩዋንዳ’ውን ኣማኢት ሰራዊት ከምዝሰደደትን ድሮ ኣብ'ቲ ውግእ ይሳተፉ ምህላዎምን ብምግላጽ ሩዋንዳ ናብ ሪፓብሊክ ማእካላይ ኣፍሪቃ ሰራዊታ ምስዳዳ፡ ኣካል እቲ ክልትኣዊ ስምምዓት ምዃኑ ኣብሪሁ።
ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ፡ እዞም ሓደሽቲ ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝተለኣኹ ሰራዊት “ነቶም ኣቐዲሞም ኣብ'ቲ ቦታ ዝጸንሑ ሰራዊትና ከይጥቅዑ ንኽሕግዝዎም፡ ከምኡ’ውን ሰለማውያን ሰባት መጥቓዕቲ ከይወርዶም ንኽከላኸሉ እዮም ተላኢኾም” ክብል ብሰኑይ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሕጂ ብውሕዱ 750 ዝኾኑ ሰራዊት ሩዋንዳ ዓቐብቲ ሰላም ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ከምዝርከቡ ግምት ኣሎ።
ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ፋውስቲን ኣርቻንጅ ታውደራ እቲ ሰንበት ክካየድ ውጥን ዝወጽኣሉ ሃገራዊ መረጻ ኣብ መዓልቲ ከምዝካየድ ብምሕባር፡ ሰራዊት እታ ሃገርን ዓቐብቲ ሰላምን ስለዘለዉ ህዝቢ ከይፈርሐ ድመጹ ክህብ ተላብዩ።
ኣብ'ታ ሃገር ዝርከቡ ቦዚዘ ዝርከቦም ተቓወምቲ ግን ክሳብ ዳግማይ ሰላምን ጸጥታን ዝነግስ እቲ መረጻ ክናዋሕ ይጠልቡ ኣለዉ።
ኣብ'ታ ሃገር ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት ንብዙሓት ከተማታት እታ ሃገር ብምቁጽጻር ንርእሰ ከተማ ባንጉይ ንምቁጽጻር ቀሪቦም ምህላዎም ይግለጽ።
እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ብዓል መን እዮም?
ፍራንኮይዝ ቦዚዝ ብእምነት ክርስትያን ኮይኑ ኣብ 2003 ብዕልዋ መንግስቲ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ካብኡ ድማ፡ ክልተ ዝጥፍፋኣት ዝበዝሖም ከምዝኾኑ ዝንገረሎም ሃገራዊ መረጻታት ኣካይዱ ተዓዊቱ።
እንተኾነ፡ ኣብ 2013 ‘ሰለካ’ ብዝበሃል ዝበዝሑ ሰዓብቲ እስላም ዝመስረትዎ ዓማጺ ጉጅል ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
እቲ ጉጅለ፡ ነቲ ፕረዚደንት ‘ስምምዕ ኣፍሪሱ’ ብምባል እዩ ነቲ ናይ ዕልዋ ስጉምቲ ወሲድዎ።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ዝብዝሑ ክርስትያን ዝርከብዎ ዝጀመርዎ ‘ኣንጻር ባላካ’ ዝተሰመየ ኣብ ነብሰ ምክልኻል ዘድሀበ ጉጅለ ኣብ ጎንጺ ስለዝኣተዉ፡ እታ ሃገር ጨና ሰላም ተሓሪምዋ ጸኒሑ።
ባዕዳዊት ገዛኢት እታ ሃገር ዝነበረት፡ ፈረንሳይ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ብምግባር፡ ኣብ 2016 መረጻ ዝተኻየደ ኮይኑ ፕረዚደንት ፎስቲን-ኣርቻንጄ ቶዴራ ተዓዊቱ።
ሕጂ ንሱ እዩ ደጊሙ ንክምረጽ ዝጓየ ዘሎ።
ኣብ’ታ ሃገር፡ ውግእ ሕድሕድ ይቅጽል ኣሎ፤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድማ ነቲ ተቓዋሚ ጉጅለ እዩ ዝነቅፍ።
ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ነበር ፈራንኮይስ ቦዚዝከ እንታይ ይብል?
ወዲ 74 ዓመት ቦዚዝ፡ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ቤኒን፣ ካሜሮንን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2019 እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
ኣብ’ቲ 27 ታሕሳስ ዝካየድ መረጻ፡ ክወዳደር ምዃኑ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣፍሊጡ።
ቦዚዝ፡ ሰፊሕ ማሕበረሰባውን ወተሃደራውን ድጋፍ ከምዘለዎ እዩ ዝእመን።
እንተኾነ፡ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት እገዳ ዝተነብሮ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ድማ፡ ብገበን -ኣንጻር ሰብኣዊነትን ምጽናት ዓሌትን ዝድለ እዩ።
ሕጂ ግን ናቱ ጉጅለ ሓዊሱ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ውድባት ተቓውሞ ጥምረት ብምፍጣር፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ነቲ መረጻ ይጨውዮ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም ኣለዉ።
ኣብ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ትልሚ ዝተትሓዘሉ መረጻ፡ ሩስያን ፈረንሳይን ጽልዋ ንምፍጣር ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋ ይንገር።