እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጂሃዳውያን ዕጡቓት ሞዛምቢክ ሓንቲ ስትራተጂካዊት ከተማ ተቖጻጺሮም
እስላማውያን ዕጡቓት ሞዛምቢክ ንሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እትርከብ ከተማ ከም ዝተቖጻጸሩ ተፈሊጡ።
ትማሊ ሓሙስ ኣስታት 90 ዝበጽሑ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ናብታ ኣብ ስትራተጂካዊት ዞባ ካቦ ደልጋዶ እትርከብ ከተማ ማኮሚያ ከም ዝወሓዙ፡ ካርታ ዲ ሞሳምቢክ ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት ኣብታ ከተማ ምስ ኣተዉ፡ ጠያይቲ ንሰማይ ብምትኳስ ህዝቢ ነናብ ገዝኡ ክኣቱ ከገድዱ ተራእዮም። ደሕሪ ቁሩብ ድማ፡ ካብቲ መደበሮም ምዃኑ ዝንገረሉ ሞሲምቧ ዳ ፕራያ ዝተባህለ ከባቢ፡ ተወሳኺ ሓይሊ ከም ዝተሓወሶም ጸብጻባት ገሊጾም።
ሰራዊት መንግስቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ክልተ ናይ ውግእ ሄለኮፕተራት ናብታ ከተማ ከምዝሰደደን፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ከተማ ክትኩሳ ከም ዝተራእያን'ውን ተፈሊጡ።
እታ ከተማ፡ ኣስታት 200 ኪሜ ካብ ርእሰከተማ ናይቲ ዞባ ዝኾነት ፐምባ ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ኣብቲ ንሰሜንን ደቡብን ዞባ ካቦ ዴልጋዶ ዘራኽብ መስመር ጽርግያ ተደኲና ዘላ'ያ።
ጸረ-መጥቃዕቲ ሰራዊት መንግስቲ ብሓደ ናይ ብሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትካል ዝተደገፈ ምንባሩ ተፈሊጡ'ሎ።
ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም ዕጡቓት ኣባይቲን ማእከላት ጥዕና ዝርከብዎም ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣቃጺሎም።
ባንዴራ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብታ ከተማ ከምዝተኸሉ'ውን እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።
እቶም ንርእሶም "ኣልሸባብ" ኢሎም ዝጽውዑ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ 2017 መጥቃዕትታቶም ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ኣለዉ።
ምስቲ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልሸባብ ርክብ ዘለዎም ምዃኑ ግን ሕጂ'ውን ብንጹር ኣይተፈልጠን።