ቻይና፡ ኣብ ሃገራ ፈነወ ቢቢሲ ከይመሓላለፍ ኣጊዳ

ቻይና፡ ፈነወ ቴለቪዥንን ሬድዮን ቢቢሲ ዎርልድ ኒውስ ኣብታ ሃገር ከይመሓላለፍ ኣጊዳ።

ቢቢሲ ኣብ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዊገር ዝበጽሕ ግፍዕን ኣመልኪቱ ንዘቕርቦም ጸብጻባት ክትከስስ ዝጸንሐት ቻይና፡ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ፈነውኡ ክቋረጽ ኣዚዛ።

ቢቢሲ ነቲ ውሳነ “ዘጕሂ” ክብል ምላሽ ሂብሉ ኣሎ።

እቲ ስጉምቲ፡ ብሪጣንያ ንፍቓድ መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ቻይና (ሲጂቲኤን) ድሕሪ ምስራዛ እዩ ተወሲዱ።

ትካል ምቁጽጻር መራኸቢታት ብሪጣንያ፡ ኦፍኮም፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ነቲ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰደሉ፡ ስታር ቻይና ሚድያ ዝተባህለ ትካል በቲ ንሲጂቲኤን ዝተዋህበ ፍቓድ ክሰርሕ ከም ዝረኸቦ ኣፈሊጡ ነይሩ።

ሃገራዊ መደበር ምምሕዳር ፊልም፡ ቴለቪዥንን ሬድዮን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ቢቢሲ ዎርልድ ኒውስ ብዛዕባ ቻይና ዘቕርቦም ጸብጻባት፡ ንመምርሒታት ፈነወ ዝጥሕሱ እዮም ኢሉ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ “ዜና ሓቀኛን ፍትሓውን” ኮይኑ “ንሃገራዊ ረብሓታት ቻይና ዝጎድእ” ክኸውን ከምዘይብሉን ብምግላጻ ቢቢሲ ነዚ ከም ዝጠሓሰ ሓቢሩ።

በዚ ድማ ቢቢሲ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ፈነውኡ ኣብታ ሃገር ክቕጽል ዘቕረቦ ሕቶ ከም እተነጸገ ገሊጹ።

ሰብ መዚ ቻይና ነዚ ውሳነ ምውሳዶም ከም ዘጉሓዮ ዝገለጸ ቢቢሲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝለዓለ ተኣማንነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ማእከን ዜና ምዃኑን፡ ጸብጻባቱ ፍትሓዊ፡ ሻራ ዘይብሉ፡ ብዘይፍርሕን ኣድልዎን ከም ዝዳለው ሓቢሩ።

ቢቢሲ ዎርልድ ኒውስ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝመሓላለፍ ዓለምለኻዊ ፈነወ ቴለቪዥን እዩ። ኣብ ዝበዝሕ ክፋላት ቻይና ክልኩል ኮይኑ ኣብ ኣህጉራውያን ሆቴላትን ኣብ ገለ ናይ ሓባር መንበሪታትን ጥራይ ይርአ ብምንባሩ፡ ዝበዝሑ ቻይናውያን ክርእይዎ ይኽእሉ ኣይነበሩን።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ ነቲ ውሳነ “ዘይቅቡል እዩ” ብምባል ንነጻነት ሚድያ ዝጎድእ ምዃኑ ገሊጹ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ’ውን እቲ ውሳነ ኣካል እቲ ንነጻነት ሚድያ ኣብ ቻይና ንምዕፋን ዝውሰድ ሰፊሕ ዘመተ እዩ ብምባል ኮኒንዎ።

ዝምድና ቻይናን ብሪጣንያን ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብሰንኪ ጉዳይ ሆንግ ኮንግ፡ ከንቆልቁል ተራእዩ እዩ።

ንደሞክራሲ ዝድግፉ ነበርቲ ሆንግ ኮንግ ድሕሪ ዘካየድዎ ሰፊሕ ምንቅስቓሳት፡ ቤይጂን ኣዘራራቢ ዝኾነ ሓድሽ ሕጊ ጸጥታ ኣብታ ግዝኣት ብሪጣንያ ነበር ተግባራዊ ምግባራ ይዝከር።

ቻይና ንመሰልን ነጻነትን እታ ግዝኣት ተዳኽም ምህላዋ እትገልጽ ብሪጣንያ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ 5.4 ሚልዮን ነበርቲ ሆንግ ኮንግ ኣብ ብሪጣንያ ክነብሩ ክሰርሑን ዜግነት ክወስዱን ዘፍቅድ ሓድሽ ቪዛ ኣተኣታትያ እያ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ቻይና ንሰለስተ ኣሜሪካውያን ጋዜጠኛታት ካብታ ሃገር ምብራር ዝርከቦ ብመደብ፡ ናይ ወጻኢ ሚድያታት ክትክልኽልን ክትእግድን ጸኒሓ እያ።

መርበብ ሓበሬታን፡ መተግበርን ቢቢሲ ኣብታ ሃገር ካብ ዝእገድ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲቲ ቢቢሲ፡ ምስ ሓንቲ ተወላዲት ዊገር ዝኾነት ሰበይቲ ዝተገብረ ቃለመሕትት ፈንዩ። እታ ሰበይቲ ኣብቲ ቻይና “ማእከላት ዳግመ ስልጠና” ብምባል እትጽውዖ ኣብ ዚንጅያን ዝርከብ መዳጎኒታት ከም እተዓመጸት፡ ጾታዊ ጥቕዓት ከም ዝበጽሓን ከም እተሳቐየትን ተዛሪባ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና “ናይ ሓሶት ጸብጻብ” ብምባል ንቢቢሲ ከሲሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቻይና ኣብቶም ብቐንዱ ኣስላም ዝኾኑ ህዝዊ ዊገር ብእትገብሮ ጸቕጢ፡ ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸመት ኣሜሪካ ገሊጻ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዊገርን ካልኦት ንኡሳንን ኣብ ማእከላት መዳጎኒ ቻይና ከም ዝርከቡ ይግመት።

ቻይና ንህዝቢ ዊገር ከም እተሳጉግ ንዝገልጽ ጸብጻብ ትነጽጎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ብሪጣንያ ሊዩ ሲያኦሚን ንበቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ቻይና መዳጎኒ ማእከላት ምህላው ዝገልጽ ጸብጻባት “ስኑዕ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ዊገር፡ ከምቲ ካልእ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ከም ዝርአ ሓቢሩ።