"ይኣክል፡ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ገበን ደው ይበል!"

ሎሚ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ንዝፍጸም ገበናት ንከብቅዕ ጻውዒት ዝቐርበሉ ኣህጕራዊ መዓልቲ'ዩ። "ይኣክል፡ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ገበን ደው ይበል!" ብዝብል መርሓ ከኣ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝግበር ዓመጽ ደው ክብል የዘኻኽር።

ገጻት-ወብሳይት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ. ) ከም ዘመልክትዎ ካብ 2006 ክሳብ 2019 ልዕሊ 1,200 ጋዜጠኛታት ከምዝሞቱ ይሕብር። ንምንታይ? ንህዝቢ ሓበሬታታት ስለ ዜመሓላለፉ።

ዓመጽቲ መንግስታት ብሃገራዊ ድሕነት ኣመኻንዮም፡ እቶም ሓቂ ዝመረሮም ሱር-ነቀለኛታት ባእታታት ድማ ብጥቕሞም ተደሪኾም፡ ካልኦት ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንጋዜጠኛታት ክሃድኑን ከፈራርሑን ይርከቡ ይብል እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መግለጺ።

ው.ሕ.ሃ. ነዚ ዓመጽ'ዚ ብምስትብሃል ብ 2013 ኣብ መበል 68'ዊ ኣኼባኡ ዜጽደቖ ዉሳኔ (A/RES/68/163) ዕለት 2 ሕዳር ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝፍጸሙ ገበናት ደው ንኽብሉ ዝጽውዕ መዓልቲ ክኸውን ኣዊጁ። እቲ ኣዋጅ ኣብ ብዙሓት ሸነኻት ዓለምና ይዝከር። ይኹን እምበር ሓደ ሓደ መንግስታት "ኣብ ጕዳይና ጣልቃ ኣይተእትዉ" ኢለን ብምምጓት ነቲ ጕዳይ ከም ዘይናተን ገይረን ከምዝርእየኦ እቲ መግለጺ የብርህ።

ው.ሕ.ሃ. እቲ መዓልቲ ንክዝከር ጥራይ ዘይኰነስ ነተን ነቲ ገበን ዝፍጽማ ዘለዋ መንግስታት ኣራሚ ስጕምቲ ብምውሳድ - ነቲ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝካየድ ረገጻ ብሕጊ ክምከትን ደው ዝብለሉ ኣገባብ ምኽታልን ይጽውዕ።

ዕማም ኣዋጅ A/RES/68/163 ሰፊሕ'ዩ፣ ኣድላዪነት ናጻ ፕረስ ኣስሚሩ ንኣባላት ሃገራት ኣጥቢቑ ብሓላፍነተን ዜዛኻኽሩ ዓንቀጻት ተኸቢቡ ይርከብ።

እቲ ኣዋጅ ኣብ ዓንቀጽ ትሽዓተ ናይ "ኣህጕራዊ ኪዳን ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት" - A/RES/2200A(XXI) - ዝበሃል ሰነድ ተሞርኲሱ ኢዩ ተጻሒፉ። ዓንቀጽ ትሽዓተ፡ ናጻ ኴንካ ሓሳብካ ምግላጽ መሰረት ናይቲ ሓደ ሰብ ወይ ከኣ ማሕበረሰብ ብዘይ ፍርሒ - ካብ ሕነ-ፍዳ፡ ሳንሱር፡ ሕጋዊ መቕጻዕቲ - ሓሳቦም ንክገልጹ ዜኽእሎም መሰል'ዩ።

ኤርትራ እውን ነቲ ኪዳን ብዕሊ ካብ እትቕበሎ እንሆ 19 ዓመት ኰይኑዋ ኣሎ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ዋና-ጽሓፊ ው.ሕ.ሃ. ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ዜመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ንጋዜጠኛታት ግዳይ ምስ እንገብሮም እቲ ማሕበረ-ሰብ ባዕሉ'ዩ ነቲ ዕዳ ዝሽከሞ። ጋዜጠኛታት ስርሖም ብሰላም ክሰርሑ እንተዘይክኢሎም እቶም ዓመጽቲ ሕንፍሽፍሽን ኣእትዮም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምስርጫው ይጥዕመሎም" ኢሉ።

"ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ንቃለሰሉ ዘሎና እዋን፡ ናጻ ፕረስ ኣብ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዘላቒ ምዕባሌ ንምፍጣር፡ ሰብኣዊ መሰል ደቂ-ሰብ ንክኽበር ዝጻወቶ ተራ ምእንቲ ንክዓዝዝ ኣድላይነቱ ደጊመ እጽውዕ ኣሎኹ" ክብል ተዛሪቡ።

ምስኡ ኣተሓሒዙ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ናጻ ሚድያን ክግበር ዝጸንሐ እገዳታት፡ እንኮላይ ምፍርራሕን ግዝታትን፡ማእሰርቲ፡ ጋዜጠኛታት ንነብሶም ክከላኸልሉ ዘኽእሉ መስርሓት ክረኽቡ ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ክወድቁ ዓገብ ኢሉ።

ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ናይ'ዚ ዓመት'ዚ - ህዝባዊ ተቓውሞ ብምድሃብ ጽሒፍኩም ንዝተባህሉ- ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት 21 መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸሙ ብዕሊ ገሊጹ።

ጋዜጠኝነት ኣብ ኤርትራ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኤርትራ ናጻ-ፕረስ ብምግታኣ ካብ 180 ሃገራት መበል 178 ኰይና ተረኺባ። እዚ ናይ 2020 ሊስታ ዀይኑ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት'ውን ብተደጋጋሚ ካብኡ ዘይሓይሽ ተርታ ሒዛ ክትጐዓዝ ከምዝጸንሐት ጸብጻብ "ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ" (Reporters Without Borders) ዝተባህለ ኣህጕራዊ ትካል ይገልጽ።

"ብ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ውዕል'ኳ ይፈርማ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኝነት ዝተራእየ ለውጢ የለን" ክብል "ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ" ርእይትኡ ኣቕሪቡ'ሎ።

"ትካልና ብተኸታታሊ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ናይ ውልቀ ጋዜጠኛታት ዝተፈጸመ ግፍዒ መፍትሐ ክግበረሉ'ኳ እንተጸውዐ ክሳብ ሕጂ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን" ክብል ክሱ ኣቕሪቡ።

እቲ ኣህጕራዊ ትካል፡ "ዓሰርተ-ሓደ ካብ'ቶም ሽዑ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ንስድርኦም ከይረኣዩ፡ ብዘይ ጠበቓ ከርተት ይብሉ ኣሎዉ" ክብል እውን ጻውዒቱ ኣኽሪሩ ኣሎ።

እቶም ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣትው ክሳብ ሕጂ ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡን ሃለዋቶም ብዕሊ ዘይፍለጥን 11 ጋዜጠኛታት ብሕቲ ኣሰናዳእትን ጸሓፍትን እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1.ስዩም ጸሃየ

2.ፍስሃየ ዮውሃንስ ጆሽዋ

3.ዳዊት ኢሳቕ

4.ዳዊት ሃብተሚካኤል

5.ሳህለ ጸገዝኣብ

6.ሰይድ ዓብደልቃድር

7.ተመስገን ገብረየሱስ

8.ኣማንኤል ኣስራት

9.ማቴዎስ ሃብትኣብ

10.ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ

11.ዳዊት ሃብተሚካኤል እዮም።

ካልኦት ከም ሳልሕ ኣልጀዛይር፡ ሓምድ ሲኤንኤን፡ ጀሚል ከሚል ዝኣመሰሉ ጋዜጠኛታት መንግስቲ ካብ ዝእሰሩ ክሳብ ሕጂ ደሃይ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ከምዘለው መርበብ ሓበሬታ ፔን ኤርትራ ይጠቅስ።

እዞም ብዕድመን ተመኩሮን ዝፈላለዩ ገዳይም ተጋደልትን ተረከብቲ ሕደሪ ዋርሳይን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብመንግስቲ ዝቐረበሎም ወግዓዊ ክሲ የሎን።

እንትርፎ ላዕለዎት ሰብስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝገብሩዎ ኣኼባታት ህዝቢ ኣብ ምንዕዓብ ተሳቲፎም ገሊኦም ከኣ ካብ ናይ ግዳም ሓይልታት ምወላ ተቐቢሎም ዝብል ሓፈሻዊ ዘረባ እንተዘይኮይኑ፡ ተኸሰስቲ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ቀሪቦም ነብሶም ንኪከላኸሉ ምላሽ ዝህብሉ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረቦም ጸሓፍ ታሪኽ ዳዊት መስፍን የረድእ።

ንማእሰርቲ እዞም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ከኣ፡ ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ሂዩማን ራይት ዎች፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፡ ሂዩማን ራይት ዲፈንደር፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ካልኦት ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ክዳነዩን ክፍትሑን ክጽውዓ ጸኒሐን ኣለዋ።

ኢድሪስ ኣባ'ዓረ እውን ሓደ ካብ'ቶም ተኣሲሮም ዘለው ፍሉጣት ጸሓፍቲ ገዲም ካድር ህዝባዊ ግንባርን እዩ። እድሪስ ኣቡዓረ ከቢድ ስንኩልና ኣለዎ። ቅድሚ ምእሳሩ ዳይረክተር-ጀነራል ናይ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕንነትን ኰይኑ ዘገልገለ ሰብ'ዩ። ኣባ'ዓረ ክልተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ፡ ኣብ ኤሪትረያ-ኣል-ሓዲሳ ኣብ ዝተባህለ ጋዜጣ መንግስቲ ብቐጻሊ ዘበርክት ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ መስከረም 2001 ካብ ዝእሰር ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣይፈልጥን፣ ኵነታቱ ይኹን ሃለዋቱን ዝፈልጥ ሰብ እውን የለን ክብሉ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ኣህጕራውያን ትካላት ይገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብዝሓለፈ ሚያዝያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበሉ ክስታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ግብረመልሲ ሂቡሉ ነይሩ'ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ዘውጽኦ ነዊሕ መግለጺ፡ ነቲ ብ17 ሚያዝያ ብፍልይቲ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ክሲታት "ዘይቅዱዉ" ክብል ነጺግዎ። ከምኡ'ውን ብተደጋጋሚ ንዝተፈላለዩ ክስታት ከነጽግ ጸኒሑ'ሎ።

ብሸሞን ጥቅምቲ ፓርላማ ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንመንግስቲ ስዊድን ከፍልጥን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፈትሖን ድሕሪ ምጽውዑ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፓርላማ ኣውሮጳ "ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ" ከም ጉልባብ ብምጥቃም ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምጽላም ተዋፊሩ ኣሎ ክብል መሊሹ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ሃለዋት እዞም ኤርትራውያን እሱራት ጋዜጠኛታት ዝፈልጥ የሎን። መንግስቲ ኤርትራ እውን ወግዓዊ ምላሽን መግለጽን ካብ ዘይህብ ድሮ 19 ዓመቶም አሕሊፎም ኣለው።