እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ንቱርካውያን 'ባሕረኛታት' ፈቲሓ
ኣብ ኤርትራ ን56 መዓልትታት ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰለስተ ቱርካውያን ባሕረኛታት ናብ ጅቡቲ ከም ዝኣተው ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ጅቡቲ ሓቢሩ።
እቶም ንዓለም ዝዞሩ ዝነበሩ ዝበሎም ባሕረኛታት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መትረብ ስዌዝ ምስ ተዓጸዎም፡ ንድሕሪት ብምምላስ ኣብ ኤርትራ ከዕርፉ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው መራኸቢ ብዙሓን ቱርኪ ጸብጺቡ።
ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ሓደ "ንእሽቶ" ዝበለቶ ፍጻመ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ሓቢራ ነይራ።
"…ሓደ ብዘይጋዊ ኮንትሮባንዳ ዝሓዘ ናይ ማፍያ ጉጅለ ዘበገሶ ንእሽቶ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ " ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ እቲ መግለጺ ነየናይ "ፍጻመ" ዝምልከት ከም ዝኾነ ኣየነጸረን።
ቅድሚ ሕጂ'ውን መንግስቲ ኤርትራ፡ ቱርኪን ቐጠርን ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ይድግፋ ኣለዋ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር።