እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኤርትራ ንቱርኪ፡ ቐጠርን ሱዳንን ከሲሱ
ኣብ ሱዳን ዝኾነ ንጥፈታት ከም ዘይብሉ 'ቤት ምኽሪ ዑላማእ ኤርትራ" (መጅልስ ሹራ ራቢጣ ዑላማእ ኤሪትሪያ) ሓደ ካብ ኣባላቱ ሼኽ መሓመድ ጁማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ብገዛኢ ሰልፊ ፍትሕን ልምዓትን ዝምራሕ መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣዕናዊ ተግባራት ይፍጽም ከም ዘሎ ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሎሚ ረቡዕ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ቱርኪ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ንኣቦ መንበር ናይቲ 'ቤት ምኽሪ ዑላማእ ኤርትራ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ቤት ጽሕፈት ምኽፋታ ነቲ "ኣዕናዊ" ዝበሎ ዕላማ ንምትግባር'ዩ ድማ ኢሉ።
"ንሕና ብዛዕባ መስጊድ፡ ቁርኣን፡ ብዛዕባ ሱና ኢና እንዛረብ፡ ኣብ ፓለቲካ ኣይንኣቱን ኢና፡ ምስ ዝኾነ መንግስቲ ድማ ርክብ የብልናን" ክብል ሓደ ካብ መስረቲ ናይቲ ጉጅለ ዝኾነ ሼኽ ጁማ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
"እዚ ከንቱ ተግባራት ብምወላን ስርሒታትን ቐጠርን ክምኡ'ውን ብውዲት ናይቲ መሬቱ ንከምዚ ዓይነት እከይ ዕላማታት ኣሕሊፉ ዝሃበ ስርዓት ሱዳን ዝፍጸሙ'ዮም" ክብል እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ይኸስስ።
እቲ "ኣዕናዊ" ዝበሎ ጉጅለ፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣንጻር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐንዐ መግለጺታት ከም ዝሃበ ብምጥቃስ፡ እቲ "ኣዕናዊ ተግባራት" ኣብዚ ዓመት'ዚ ከም ዝሓየለን ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ሰላም ንምዕንቃጽ ዚዓለመ'ዩ ይብል።
ኤርትራ፡ ምስ ቐጠር ዝነበራ ጥቡቕ ዝምድና ብምድሳካል ናብቲ ብሱዕድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝምራሕ ጂኦፖለቲካዊ ቀጽሪ ማእከላይ ምበራቕ ዘንቢላ ትርከብ።
ኣብ 2015 ነቲ ኣብ ኲናት የመን ወታሃደራዊ ምትእትታው ዝገብር ዘሎ ብሱዕዲ ዝምራሕ ኪዳን'ውን ብወግዒ ከም እትድግፎን ዝከኣላ ክትገብር ድልውቲ ከም ዘላን ገሊጻ ነይራ'ያ።
ሱዕድን ኢማራት ዓረብን ዝርከብአን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንቐጠር ድሕሪ ምንጻለንን ናይ ምድርን ሰማይን እገዳታት ድሕሪ ምንባረንን፡ ቱርኪ ናይ ቐጠር ጸግዒ ምውሳዳ ይዝከር።
ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ከም ዝፈጸመ'ውን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ኣብ ምትፍናን ማእከላይ ምብራቕ፡ ግብጺ ኣንጻር ቐጠር ብምስላፍ ምስ ሱዕድን ኢማራንትን ወጊና ትርከብ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝተዘራረቡ'ውን ኣቶ የማነ ጠቒሱ።
እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ዝምድና እናሓርፈፈ ይኽይድ ምህላዉ ዘርእይ'ዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፡ እቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን ብወግዒ ከም ዝተኸፍተ'ኳ እንተበሰረ፡ ኣብ ባይታ ግን ዝተራእየ ለውጢ ከም ዘየለ ጸብጻባት ይገልጹ።