ኢትዮጵያ፡ ‘ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸ መግለጺ ኣብ ባይታ ንዘሎ ክውንነት ዘየገናዘበ እዩ’

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MOFA

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክልል ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝተሓሓዝ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ክውንነት ዘየገናዘበን መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝገብሮ ዘሎ ሓገዛት ኣብ ግምት ዘየእተወን እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሕብረት በቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ዘሕዝን ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣዝዩ ተሻቒሉ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ከምቲ ዝድለ ክኣቱ ኣይክኣለን ኢሉ።

"ዝበዝሐ ክፋል ማእከላይን ምዕራባዊን ትግራይ ምብጻሕ ኣይተኻእለን፡ ናብቶም ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብሎም መዓስከራት ምብጻሕ'ውን ፍጹም ኣይተኻእለን" ይብል እቲ ብላዕለዎት ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይ ሕብረት ዝወጸኣ ናይ ሓባር መግለጺ።

እቲ ሕብረት፡ "ንጻውዒት ኣመሪካ ብምድጋፍ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ንጽውዕ" እውን ኢሉ ነይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ “መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ ኣትሒዙ፡ እቲ ሕብረት ከውጽኦ ዝጸንሐ መግለጺታት ሚዛናውነቱ ዘይሓለወን ዘይግባእን እዩ” ኢሉ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ'ውን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ መግለጺ ኣውሮጳዊ ሕብረት "ንመሰረታዊ ጉዳያት ዝጎልበበ'ዩ" ኢሉዎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እቲ ክልል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ክባጻሕ፡ መንግስቲ ይሰርሕ ምህላው ብምግላጽ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተዓዘብዎ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ጎንጺ፡ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮ ምግላጹ ይዝከር።

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደ ዋና ዳይሬክተር ውድብ መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብን ኣብ መላእ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ'ሎ።

ዴቪድ ቢዝሊይ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ “ኣብ ትግራይ 3 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ካባና ይጽበ ኣሎ፤ እነጥፍኦ ግዜ ኣይክህሉን እዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ብዝሒ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም 2.5 ሚልዮን እዩ ክብል ጸኒሑ ኣሎ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ምትኩ ካሳ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 2 ሚልዮን ንዝበጽሕ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዛት ከም ዝተወሃበ ተዛሪቡ።

ኩነታት መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን

ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና ትካል ስብኣዊ ረድኤት ኖርዌጅያን ረፊዩጂ ካውንስል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ህጻጽ፡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ንምሃብ ዝሃነጾም ህንጻታት ብሓዊ ከም ዝተቓጸሉ ኣፍሊጡ።

ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ምስልታት እቲ ህንጻታት ካብ ጥሪ 5 ክሳዕ ጥሪ 8 ኣብ ዘለው መዓልትታት ምዕናዎም ከም ዘርእዩ እቲ ካውንስል ሓቢሩ።

መንግስቲ ብወገኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዕቖቡሉም ዝነበሩ መዓስከራት ህጻጽን ሽመልባን ክዕጸው ምዃኖም መንግስታዊ ትካል ስደተኛታትን ተመለስቲን (ARRA) ትማሊ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣቶ ተስፋሁነይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ብመሰረት ሮቛሒ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ካብ ዶብ ጎሮቤት ሃገር [ኤረትራ] ክንድ'ቲ ዝግባእ ዝረሓቐ ከም ዘይነበረን፡ ሕጻጽ'ውን ብምኽንያት እቲ ከባቢ ዘለዎ ክሌማ ንሕማም ዓሶን ሕጽረት ማይን ዝተቓልዐ ብምዃኑ ንክዕጸው ምኽንያት ከም ዝኾነ ጠቒሱ።

ውሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሪስ መልዘር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕተት፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ መኣስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ክፈልጥ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢ ሽረ ፋሕ ፋሕ ኢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ገሊጹ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነዘን ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ’ውን ክዓጽወን ፈቲኑ፡ እቲ ነታ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ከም ዝተደናጎየ ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 27 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 1 ሚልዮን ስደተኛታት ምህላዎም ዝገለጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፤ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ኣህጉራዊ መሰላቶም ተኸቢሩ ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ምህላዎም ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ብሓፈሻ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትርራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ካብኦም እቶም ኣስታት 50 ሽሕ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዓስከራት ከምዘለው ጸብጻባት መንግስታዊ ትካል ስደተኛታትን ተመለስቲን (ARRA) ይሕብሩ።