ኩባ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝጸንሑ ትካላት ናብ ብሕቲ ከተሰጋግሮም ምዃና ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩባ፡ ትካላት ብሕቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣብ ዝጸንሑ ዘፈራት ኢንዳስትሪ ክኣትው ከም ዘፍቀደት ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ስርሕን ሰራሕተኛን ማርታ ኤሌና ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰብ ሃፍቲ ክኣትወሎም ዝኽእሉ ዘፈራት ኢንዳትሪ ካብ 127 ናብ ክልተ ሽሕ ክብ ከም ዝበሉ ተዛሪባ።
እዚ ማለት፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝጸንሑ ትካላት ብብዝሒ ናብ ብሕቲ ተሰጋጊሮም ኣብ ኢዱ ዝተርፉ ውሑዳት ክኾኑ'ዮም ማለት'ዩ።
ብስርዓት ኮሚኒስት እትመሓደር ኩባ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቁጠብኣ ከም ዝተሃሰየ ይፍለጥ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓደ ካብቶም ቁጠባዊ ጸቕጢ ዘሕደሩ ክኾን እንከሎ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘንበሮ እገዳ'ውን ካልእ ምኽንያት እዩ።
ብ2020 ዓ.ም፡ ቁጠባ እታ ሃገር ብ11 ሚኢታዊት ጎዲሉ'ዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።
በዚ ምኽንያት ኩባውያን ዝበልዑዎ ንምዕዳግ'ውን ተጸጊሞም ኣለው።
እታ ሚኒስትር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብታ ሃገር ካብ ሞንጎ ዘለው ትካላት ኢንዳስትሪ እቶም 124 ጥራሕ እዮም ናብ ትሕዝቶ ብሕቲ ክሰጋገሩ ዘይኽእሉ ኢላ።
ይኹን'ምበር፡ እዞም ትካላት ኢንዳስትሪ ኣየንኦም ከም ዝኾኑ ብዝርዝር ኣይገለጸትን።
ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ግን፡ እዞም ኣብ ትሕቲ ኢድ መንግስቲ ክጸንሑ'ዮም ዝተባህሉ ትካላት ምስ ሚዲያ፣ ጥዕናን ሓይሊ ምክልኻልን ምትእስሳር ዘለዎም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ ኣሎ።
ኣብ ኩባ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብውልቀ ዝውነኑ ኣናኣሽቱን ደቀቕትን ሕርሻታት ወጻእ ብመንግስቲ ዘይተትሓዘ ዓውዲ ብዋንነት ክሕዙ ዝኽእሉ ከም ማሕበራት ነጋዶ፣ ሞያ ኢደ ጥበብን መራሕቲ ታክስን ዝኣመሰሉ'ዮም።
ኣብታ ሃገር 40 ሚኢታዊት ናይ ብሕቲ ንግዲ ምስ ቱሪዝም ዝተሓሓዘ ስለ ዝኾነ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተሃስዩ'ዩ።
ንዝሐዓለፉ 60 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኩባን ዝነበረ ቅርሕንቲ ኣብ እዋን ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ምምሕያሽ ኣርእዩ ስለ ዝነበረ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ናብ ኩባ ምብጻሕ ክገብሩ፣ ሃገር በቆል ኢንዳስትሪታት ክነቓቕሑ ዕድል ተፈጢሩ ነይሩ።
እንተኾነ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ እቲ ብ2015 ናብ ንቡር ክምለስ ዝጀመረ ርክብ እተን ሃገራት ክቋረጽ ገይሩ።
ደገፍቲ ትራምፕ ዝኾኑ ኩባ ኣመሪካውያን፡ ኦባማ ምስ ራውል ካስትሮ ምርኻቡ ነዛ ሃገር ምሕንቃቕ'ዩ ኢሎም ተቓዊሞምዎ'ዮም።
በዚ ምኽንያት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኩባ እገዳ ኣንቢሩ።
ሓድሽ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ዳግም ርክብ እዘን ሃገራት ክሕደስ ከም ዝደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ መዓዝ ዝብል ግን ገና ኣይተፈልጠን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







