ምምሕዳር ትራምፕ ንኩባ ዳግም ኣብ መዝገብ ንሽበራ ዝድግፋ ሃገራት ኣስፊሩዋ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣመሪካ፡ ኩባ ንኮሚኒስት ሃገረ ቬነዝወላ ትድግፍ'ያ ብዝብል ዳግም ኣብ መዝገብ ንሽበራ ዝድግፋ ሃገራት ከም ዝሰፈረት ኣፍሊጣ።
ምምሕዳር ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ንክወጽእ ውሑዳት መዓልታት ኣብ ዝተረፍኦ'ዩ እዚ ውሳነ ተመሓላሊፉ።
ሰብ መዚ ትራምፕ፡ ኩባ መንግስቲ ኣመሪካ ንዘይቕበሎ መራሒ ቬነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ትድግፍ እያ ይብሉ።
"በዚ ምኽንያት፡ መንግስቲ ኩባ ተሓታቲ ክኸውንን፡ ስርዓት ካስትሮ ዓለምለኻዊ ሽበራ ምድጋፍን ምንዓብ ፍትሒ ኣመሪካን ጠጠው ንከብሎ ግልጺ መልእኽቲ ከነሕልፍን ንደሊ" ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ማይክ ፖምፒዮ።
ኩባ ግን ነዚ ውሳነ "ፖለቲካዊ በለጽ" ክትብል ገሊጻቶ ኣላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኩባ ቡርኖ ሮድሪጌዝ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ኩባ: ግብረ ራዕዲ ትድግፍ እያ ንዝብል ግብዛዊ ውሳነ ትኹንኖ" ኢሉ።
20 ጥሪ 2021 ሓድሽ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝኸውን ጆ ባይደን ቅድም ኢሉ ክልትኣዊ ዝምድና እተን ሃገራት ንምምሕያሽ ድልየት ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
ጆ ባይደን፡ ኩባ - ኣመሪካውያን ስድርኦም ክሓቱን ገንዘብ ክልእኹን ከፍቅደሎም መደብ ነይሩዎ'ዩ።
እዚ ሓድሽ ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ምሕዝነት ኣመሪካን ኩባን ቐልጢፍካ ንምጽጋን ማሕለኻ ከም ዝፈጥርን ኩባ ኣብቲ መዝገብ ዝኣተወትሉ ኩነታት ዳግም ንምክላስ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእልን ተንተንቲ ይገልጹ።
እዛ ኣብ ደሴት ካሪቢያን እትርከብ ሃገር፡ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ብ2015 ካብ ዝርዝር እቲ ሰፊራትሉ ዝነበረት መዝገብ'ኳ እንተወጽአት ፕሬዝደንት ትራምፕ ግን ንጽቡቕ ዝምድና ዕድላት ኣብ ምፍጣር ድልው ኣይነበረን።
ብመሰረት ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኩባ ሃገራት ኢራንን ሰሜን ኮርያን ናብ ዝርከብኦ ዝርዝር ደገፍቲ ሃገራት ግብረ ራዕዲ ሰፊራ ኣላ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ኩባ ከውፍሩ ንዝደልዩ ወጻእተኛታት ጸቕጢ ከሕድር ከም ዝኽእል ይግለጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







