ኩባውያን መበል 50 ዓመት መስዋእቲ ቼ ጉቬራ ይዝክሩ ኣለው

ዝኽሪ ቼ ጉቬራ ኣብ ሳንታ ክላራ ዝተኣከቡ ኩባውያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝኽሪ ቼ ጉቬራ ዝተረኸቡ ኩባውያን ከም ጅግና ይልፅዎ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ኩባዊት ከተማ - ሳንታ ክላራ ተኣኻኺቦም ነይሮም። መተኣኻኸቢኦም ምኽንያት ድማ ኣብነታዊ ተቓላሲ ኤርነስቶ "ቼ" ጉቬራ ዝተታሕዘሉን ዝተቐትለሉን መበል 50 ዓመት ንምዝካር ነይሩ።

ብ9 ጥቅምቲ 1967 እዩ ኣብ ቦሊቪያ ተቐቲሉ።

ኣብ ሓወልቱን መቓብሩን ካብ ሞንጎ ዝተኣከቡ ሰባት ድማ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዝኡ ፕረዚደንት ራውል ካስትሮ ይርከብዎም።

ዝበዝሑ ዜጋታት ኣብ ገገዛውቶም ኮይኖም ፕረዚደንት ሃገሮም-ካስትሮ፡ ኣብ መቓብሩ ፃዕዳ ዕምበባ እንተቐምጡ ብቴለቭዥን ተኸታቲሎም።

እዚ ሰውራዊ ተቓላሲ ብህይወት ካብ ዝነበረሉ ብዘይነኣኣስ ኣብዚ ሕዚ እዋን'ውን ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀፂሉ'ዩ።

ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ መላእ ኩባ ስሙ ተኾሊዑ ይርከብ። ካብ ኣብ ገንዘብ ጀሚሩ ክሳብ መጠቕዒ ታቤላታት 'ቢልቦርድታት' ዝተባፅሐ ምስሉ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ወትሩ ከምዝዝከር ይገብሮ።

ፕረስደንት ኩባ - ራውል ካስትሮ ኣብ ዝኽሪ ቼ ጉቬራ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ንራውል ካስትሮ ሓዊሱ ብዕድመ ቼ ጌቬራ ዝነበሩ ወለዶታት ህይወቶም ንኩባ ዝገበሩ እዮም

ምስ ዝረኸቦ ዓወት ኲናት ሓቢሩ ስማ ኣብ ዝለዓል ከተማ ሳንታ ክላራ ዝተኣኻኸቡ ሰባት፡ ካናቴራታት ተኸዲኖምን ምስሉ ሒዞምን ከም ጅግና ዘኪሮምዎ።

ልክዕ ከም ወዲ ሃገሮም ንዝቖፅርዎ ኣርጀንቲናዊ ተቓላሲ ብኽብሪ ከልዕሉ ውዒሎም።

"ኣብ ጎንና ሒዝናዮ ተሪፍናለና፡ ኩሉ ግዜ ምሳና እዩ። ንኩባ፣ ላቲን ኣሜሪካን ዓለምን ከምዝውክል ኢና ንፈልጥ። ምስሉ ኣብ ኣፍ ልብናን ውሽጥናን ምህላው ዓብዪ ክብሪ እዩ" ኢሉ ሓደ ካብ እኩባት።

ፊደል ካስትሮ ብ1967 ሞት ቼ ጉቬራ ብዕሊ ንህዝቢ ሃገሮም ኣብ ዘፍለጡሉ መደረ፡ ህፃናት ኩባ "ከም ቼ ክኾኑ" ዝሃብዎ ሓሳብ ክሳብ ሎሚ ውሩይ ጭርሖ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ቼ ጉቬራ (ፀጋም) ፊደል ካስትሮ (የማን) 1963 ኣብ ሃቫና

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቼ ጉቬራ (ፀጋም) ፊደል ካስትሮ (የማን) ብ1959 ንዝተኻየደ ሰውራ ኩባ ካብ ዝመርሑ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት

ኣብቲ ዝኽሪ ንዝተረኸቡ ህፃናት ብምርኣይ፡ ታሪኽ ህይወቱ ሕዚ'ውን ኣካል ትምህርቲ ኮይኑ ንዓመታት ምቕፃሉ ከምዘየተሓትት ምግንዛብ ይከኣል።

ደገፍቱ፡ ከም ኣብነት ተወፉይነትን መስዋእትነትን ይቖፅርዎ። ብኣንፃሩ፡ ፍፁም ከም ዘይፈርሕ ጅግናን ብጭካነ ዝተመልአ ደመኛን ኣምሲሎም ብኣሉታዊ ስብእናታት ዝገልፅዎ'ውን ኣለው።

ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ፡ ህይወቶም ኣብ ኩባ ካብ ዝገበሩ ወለዶ ሓደ ኣካል እዩ ቼ።

ፊደል ካስትሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዮም ዓሪፎም። ኣብ ዝኽሪ ቼ ጉቬራ ዝተረኸቡ ብፆቱ ድማ ኣስታት 80 ዝዕድመኦም እዮም።

ቼ" ጉቬራ ኣብ ሰውራዊ ቃልሲ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን'ውን ነብሱ ዝኸኣለ ፅልዋ ከሕድር ኪኢሉ ነይሩ። ኣብ ልቢ መናእሰይ ክልቲኤን ሃገራት ድማ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ።