ኩባውያን መበል 50 ዓመት መስዋእቲ ቼ ጉቬራ ይዝክሩ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ኩባዊት ከተማ - ሳንታ ክላራ ተኣኻኺቦም ነይሮም። መተኣኻኸቢኦም ምኽንያት ድማ ኣብነታዊ ተቓላሲ ኤርነስቶ "ቼ" ጉቬራ ዝተታሕዘሉን ዝተቐትለሉን መበል 50 ዓመት ንምዝካር ነይሩ።
ብ9 ጥቅምቲ 1967 እዩ ኣብ ቦሊቪያ ተቐቲሉ።
ኣብ ሓወልቱን መቓብሩን ካብ ሞንጎ ዝተኣከቡ ሰባት ድማ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዝኡ ፕረዚደንት ራውል ካስትሮ ይርከብዎም።
ዝበዝሑ ዜጋታት ኣብ ገገዛውቶም ኮይኖም ፕረዚደንት ሃገሮም-ካስትሮ፡ ኣብ መቓብሩ ፃዕዳ ዕምበባ እንተቐምጡ ብቴለቭዥን ተኸታቲሎም።
እዚ ሰውራዊ ተቓላሲ ብህይወት ካብ ዝነበረሉ ብዘይነኣኣስ ኣብዚ ሕዚ እዋን'ውን ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀፂሉ'ዩ።
ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ መላእ ኩባ ስሙ ተኾሊዑ ይርከብ። ካብ ኣብ ገንዘብ ጀሚሩ ክሳብ መጠቕዒ ታቤላታት 'ቢልቦርድታት' ዝተባፅሐ ምስሉ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ወትሩ ከምዝዝከር ይገብሮ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምስ ዝረኸቦ ዓወት ኲናት ሓቢሩ ስማ ኣብ ዝለዓል ከተማ ሳንታ ክላራ ዝተኣኻኸቡ ሰባት፡ ካናቴራታት ተኸዲኖምን ምስሉ ሒዞምን ከም ጅግና ዘኪሮምዎ።
ልክዕ ከም ወዲ ሃገሮም ንዝቖፅርዎ ኣርጀንቲናዊ ተቓላሲ ብኽብሪ ከልዕሉ ውዒሎም።
"ኣብ ጎንና ሒዝናዮ ተሪፍናለና፡ ኩሉ ግዜ ምሳና እዩ። ንኩባ፣ ላቲን ኣሜሪካን ዓለምን ከምዝውክል ኢና ንፈልጥ። ምስሉ ኣብ ኣፍ ልብናን ውሽጥናን ምህላው ዓብዪ ክብሪ እዩ" ኢሉ ሓደ ካብ እኩባት።
ፊደል ካስትሮ ብ1967 ሞት ቼ ጉቬራ ብዕሊ ንህዝቢ ሃገሮም ኣብ ዘፍለጡሉ መደረ፡ ህፃናት ኩባ "ከም ቼ ክኾኑ" ዝሃብዎ ሓሳብ ክሳብ ሎሚ ውሩይ ጭርሖ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብቲ ዝኽሪ ንዝተረኸቡ ህፃናት ብምርኣይ፡ ታሪኽ ህይወቱ ሕዚ'ውን ኣካል ትምህርቲ ኮይኑ ንዓመታት ምቕፃሉ ከምዘየተሓትት ምግንዛብ ይከኣል።
ደገፍቱ፡ ከም ኣብነት ተወፉይነትን መስዋእትነትን ይቖፅርዎ። ብኣንፃሩ፡ ፍፁም ከም ዘይፈርሕ ጅግናን ብጭካነ ዝተመልአ ደመኛን ኣምሲሎም ብኣሉታዊ ስብእናታት ዝገልፅዎ'ውን ኣለው።
ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ፡ ህይወቶም ኣብ ኩባ ካብ ዝገበሩ ወለዶ ሓደ ኣካል እዩ ቼ።
ፊደል ካስትሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዮም ዓሪፎም። ኣብ ዝኽሪ ቼ ጉቬራ ዝተረኸቡ ብፆቱ ድማ ኣስታት 80 ዝዕድመኦም እዮም።
ቼ" ጉቬራ ኣብ ሰውራዊ ቃልሲ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን'ውን ነብሱ ዝኸኣለ ፅልዋ ከሕድር ኪኢሉ ነይሩ። ኣብ ልቢ መናእሰይ ክልቲኤን ሃገራት ድማ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







