150 ሰባት ዝቐተለ ህቦቡላ ‘ኢታ’ ኣብ ኩባ’ውን ሓደጋ የብጽሕ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
‘ኢታ’ ዝተሰመየ ህቦቡላዊ ማዕበል ብርቱዕ ንፋስን ዝናብን ብምስዓብ ንኩባ የጥቕዓ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝብእስ ብርቱዕ ዕልቅልቕን ምህማም መሬት ከስዕብ ከምዝኽእል’ውን ትካል ሜትሮሎጂ እታ ዞባ ይሕብር።
ህቦቡላ ‘ኢታ’ ብጓቲላማ ኣብ ዝሓለፈሉ ኣስታተ 150 ሰባት ከምዝቐተለ እዩ ዝግለጽ።
እቲ ኣብ ኩባ በጺሑ ዘሎ ህቦብላ፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ፍሎሪዳ’ውን ሓደጋ ከብጽሕ እዩ ተባሂሉ ስለዝተኣመነ፡ ሰባት ጥንቃቐታት ከዛይዱ ሓበሬታ ተዋሂብዎም ኣሎ።
ሃገራዊ ምክልኻል ህቦብላዊ ሓደጋታት ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ኩባ ሓደጋታት ከውርድ ጀሚሩ ዘሎ ህቦቡላ ኣብ ሰዓት ልዕሊ 100 ኪሎ ሜተር እናተሓምበበ ይኸይድ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
እቲ መግለጺ ሃገራዊ ምክልኻል ህቦብላዊ ሓደጋታት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ “ኣብ ኩባ በዚ ብሰንኪ ኢታ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስን ዝናብን ኣፍላጋት ልዕሊ ዓቐን ክመልኡ ከምዝኽእሉን ንህይወት ደቂ ሰባት’ውን ዘስግእ እዩ” ኢሉ ኣሎ።
መግለጺ ሃገራዊ ምክልኻል ህቦብላዊ ሓደጋታት ኣመሪካ ብምስዓብ: ኣብ ገማግም ኩባ ካብቲ ንቡር ማዕበል ካብ ፍርቂ ሜትሮ ክሳብ ሓደ ሜትሮ ዓቐን ብራኸ ዘለዎም ማዕበላት ክርኣዩ ከምዝኽእሉ ኣተንቢሁ ኣሎ።
ፕረዘደንት ኩባ ሚጎል ድያዝ ካነል ብቀዳም ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ኣብ ቅድሚ ኢታ፡ ንድሕነት ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ ኣለና፡ ዝጠፍእ ግዜ ክህሉ የብሉን” ኢሉ።
እዚ ኣብ ደረጃ ኣርባዕተ ተሰሪዑ ዘሎ ህቦቡላ ብሰሉስ እዩ ኣብ ገማግም ኒኳራጉኣ በጺሑ፡ ናብ ሁንድራስን ጓቲማላን ኣብ ዝበጽሓሉ ሓይሉ እኳ እንተነከየ እንደገና ናብ ትሮፒካዊ ማዕበል ብምቅያር ፍጥነትን ሓይልን ብምውሳኽ ኣብ ኩባ በጺሑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ጓቲማላ ኣለጃንድሮ ጉያማቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ጥራይ ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፡ ኣብቲ ኳጃ ዝተሰመየ ዞባ ገለ ኣባይቲ ብድበት ከምዝተደበየን ኣብ ገለ ቦታትተ እቲ ገዛውቲ ብልዕሊ 15 ሜትሮ ጭቃ ተደብዩ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ንኸምዚ ሓደጋታት እተገልግል ሓንቲ ሄሊኮፕተር ጥራይ ስለዘላ እቲ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ንክጓተት ምኽንያት ከምዝኾነ ጠቂሱ።
ኣብ ፓናማ’ውን 17 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 68 ድማ ጠፊኦም ከምዘለዉ ሚኒስተር ጸጥታ እታ ሃገር ጅዋን ፒኖ ሓቢሩ።
ሜክሲኮ ብወገና፡ ኣብ ደቡብ እታ ሃገር እትርከብ ዞባ ችያፓስ በዚ ህቦቡላ ብውሑዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጻ ኣላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







