ኤርነስቶ ጉቬራ፡ ብሞተር ብሽክሊታ ናብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ዑደት ንክኣቱ ወላዲየይ ከመይ ኣላዓዒሉኒ?

መራሒ ደባይ ተዋጋእቲ ዝነበረ ኤርነስቶ "ቼ" ብ9 ጥቅምቲ 1967 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ቦሊቭያ ተቐቲሉ። ድሕሪ 50 ዓመታት ድማ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዊል ግራንት ምስ ወድ'ቲ መራሒ ብሞተር ብስክሊታ ዑደት ኣካይዱ።
ኣብ ትሕቲ ውርሻ ኣቡኡ ኮይኑ ህይወቱ እንትመርሕ ዘጋጥምዎ ፅዕንቶታት ብዝምልከት እውን ሓቲቱዎ።
ገለ እዋናት ኣብ ሞንጎ ኣባላት ስድራ ዝፍጠር ምምስሳል ካብቲ ልሙድ ውፅእ ዝበለ ይኸውን
ብሓፂሩ ዝተስተኻኸለ ጭሕሙ፣ ብቐሊሉ ዝልለ ኣፍንጭኡ፣ ኣብ ሞንጎ ኣፃብዕቱ ተቐርቂራ ብእትተክኽ ሽጋርኡ ምስ ኣቡኡ ይመሳሰል።
ካብ ኣካላዊ ምምስሳል ብተወሳኺ ውላድ እቲ ላቲን ኣሜሪካዊ ተቓላሲ ኤርኔስቶ "ቼ" ጉቬራ፡ ካብ አቡኡ ዝወረሶ ነገር እንተሃለወ ሞተር ብሽክለታ ምፍታው እዩ።
ስግር እቲ ተመሳሳሊ ድልየቶም ግን፡ ኣንፈት ህይወት ንእሽቶ ጉቬራ ናብ ቱሪዝም ይዛዙ።
ብሞተር ዑደት ዘግብር ትካል ይውንን። ስም ትካሉ 'ላ ፖዴሮሳ' ይበሃል። ላ ፖዴሮሳ ዓይነት እታ ወላዲኡ ናብ ኣሜሪካ አንትሰግር ዝተጠቐመላ በዓልቲ 500 ሲሲ ጉልበት ሞተር ብሽክለታ እያ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላ ፖዴሮሳ ቱርስ ውልቀ ትካል ኽትከውን እንከላ ብመንግስቲ ምስ ዝውነኑ ኩባውያን ኩባንያታት ተሓባቢሩ ይሰርሕ። ፕረዚደንት ፊደል ካስትሮ ብ2010 ውልቀ-ትካላት ንክጣየሻ መሰፍቀዱ'ዩ ተጣይሱ።
ኣብ ዝገበርናዮ ጉዕዞ፡ ኣንፈትና ናብ ምዕራብ ነይሩ። ተኽሊ ትምባኾ ብምፍራይ ናብ ትፍለጥ ፒናር ዴል ሪዮ ዝተብሃለት ዞባ።
ሞተር ብሽክሊታ ደሴታት ንምርኣይ እንኮ ኣማራፂ እናኾነ ይርከብ። ንዑደት ዝወጽኡ ዜጋታት ሃገራት ድማ ብርክት ዝበሉ እዮም። ካብ ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ንዝመጽኡ ዘወርቲ ሞተር ብሽክለታ ይሕውስ።
ቁፅሪ ናብ ኩባ ዝመፁ ዑደተኛታት ካብ ሕሉፋት እዋናት ናይ ዓሚ ዝለዓለ ነይሩ። ላ ፖዴሮሳ'ውን ፅቡቕ ኣታዊ ክረክብ ክኢሉ።
ዕብለላ ማርክሲስታዊ ቅዲ ፖለቲካ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት ተወሊዱ፡ ካፒታሊስት ቅዲ ሰርዓት ኣብ ዝግለፀሉ ዓውዲ ስራሕ (ቱሪዝም) ተዋፊሩሎ።
እዚ ግን ንዕኡ ዘገድሶ ኣይኮነን። "ሶሻሊስት ወይ ድማ ካፒታሊስት ምስ ምዃን ዘራኽብ የብሉን" ይብል።

"ኣብዚ ጉዳይ ምድሃብ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን። ከም ከማይ ንሃገረይ ዝረብሕ ፅቡቕ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና።" ክብል እውን ሓሳቡ የጠናኽር።
ውሉድ ዉሩይ ሰብ ኮይንካ ምዕባይ ኩሉግዜ ቀሊል ከምዘይኮነ ይገልጽ። ቼ ጉቬራ፡ ወዱ ገና ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ እዩ ብ1967 ኣብ ቦሊቭያ ተቐቲሉ።
"ብርግፅ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም 'ኤርነስቶ ጉቬራ ክትፅዋዕ ትኽእል ኢኻ፤
ዓለም ንኣብነታዊ ኣቡኡ ዘለዋ ኣድናቖትን ናእዳን ኣብ ዘይነከየሉ እዋን ኮይኑ እውን ግን፡ እቲ ንእሽተይ ኤርነስቶ ቅሬታኡ ይገልፅ።
"ንዓይ ዝፈትውኒ ንኣነንተይ ይፍተው፡ ጉቬራ ንዝብል ሽም ክኸውን የብሉን" በሃላይ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







