እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘መንግስቲ ኢትዮጵያ መረጻ ንክዕዘቡ ንኣውሮጳዊ ሕብረትን ንኣመሪካን ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ’ ብርቱካን ሚደቅሳ
ኣካቢት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ኢላ።
እታ ሓላፊት ነዚ ዝበለት፡ ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ቻትሃም ዝበሃል ንዓለማዊ ጉዳያት ዝከታተል ዘይሻራዊ ትካል፡ ኣብ ጉዳይ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ናይ መርበብ ሓበሬታ ዘተ እዩ።
ኣብ’ቲ ዘተ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ [ዶ/ር]፣ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ በየነ ጴጥሮስ [ፕ/ር]፣ ከምኡ’ውን ኣቦ ወንበር ሰልፊ ኢዜማ ብርሃኑ ነጋ [ፕ/ር] ተሳቲፎም እዮም።
ብርቱኳን ሚደቅሳ፡ ምዕዳም ተዓዘብቲ፡ ስራሕ ናይ ቦርድ መረጻ እኳ እንተዘይኮነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድም ክብል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተሰረዘ መረጻ ኢትዮጵያ ክዕዘቡ ንኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ገሊጻ።
ኣብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ ንምስታፍ ድማ፡ ልዕሊ 170 ስቪክ ማሕበራት ብተዓዛብነት ክሳተፉ ሕቶ ከም ዘቕረቡ’ውን እታ ሓላፊት ተዛሪባ።
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 08 ለካቲት 2013 ዓ.ም፡ ሕጹያት ተወዳደርቲ ምምዝጋብ ከም ዝጅመር’ውን ተዛሪባ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ድማ “እቲ መረጻ ዝያዳ እቶም ቅድሚ ሕዚ ዝተገበሩ መረጻታት ዴሞክራሲያዊ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ” ኢሉ።
ብዛዕባ ትግራይ
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ታ ኣብ ኩናት ዘላ ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ ጉንበት መረጻ ከም ዘይካየድ ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ ቦርድ፡ ኩነታት ተራእዩ መረጻ ዝካየደሉ እዋን ከም ዝውስን’ውን ገሊጹ እዩ።
ኣብ’ቲ ዘተ ብዛዕባ’ዚ ዝተሓተተ እቲ ዓቃቢ ሕጊ “ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ኣብ’ቲ መጻኢ መረጻ ዝኾነ ጽዕንቶ ክህልዎ እዩ ኢለ ኣይሓስብን” ክብል መሊሱ።
ወሲኹ ድማ “ብደረጃ ሃገር እቲ መረጻ ምስተገብረ፡ ኣብ ትግራይ ቁሩብ ኣዋርሕ ዘንጊዑ መረጻ እንተተኻየደ ጸገም ኣይህልዎን” ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ህጹጽ ኣዋጅ ምስ ተላዕለ መረጻ ክካየድ ከም ዝኽእል’ውን ኣአንፊቱ።
ብዛዕባ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታት
ነቲ ዓቃቢ ሕጊ ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ሓደ “እቲ ለውጢ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ኣሎ ኢልካ ትኣምን ዶ?” ዝብል እዩ።
ጌደዮን [ዶ/ር] “እወ! እቲ ለውጢ ሕዚ’ውን ኣብ ቅኑዕ መገዲ እዩ ዘሎ ኢለ እየ ዝኣምን” ኢሉ።
ብዛዕባ ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት’ውን ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ።
ጌድዮን [ዶ/ር] “ብዙሓት ኣባላት ተቓወምቲ ኣብ ማእሰርቲ ኣይኮኑን ዘለዉ። እኳ ደኣስ ቅድሚ ሕዚ ዘይሕጋውያን ተባሂሎም ዝነበሩ ከም ኦነግ፣ ኦብነግን ግንቦት 7ን ዝኣመሰሉ ሰልፍታት ናብ ዓዲ ኣትዮም ይሳተፉ ኣለዉ” ዝብል መልሲ ሂቡ።
“ጎንጺ ዘልዕሉ ተቓወምቲ ኣብ’ቲ መረጻ ክሳተፉ መታን ኢልካ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ይኹኑ ምባል ግን ንቅልውላው ማዕጾ ምኽፋት እዩ” ኢሉ።