እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣንቶኒዮ ጉተሬስ፡ ኣብ ማያንማር ዝተኻየደ ዕልዋ ክፈሽል ጸዊዑ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ፡ ብሰኑይ ኣብ ማያንማር ዝተኻየደ ዕልዋ ክፈሽል ንማሕበረሰብ ዓለም ጸዊዑ።
ውጽኢት መረጻ ምቕያር “ቅቡልነት የብሉን” ዝበለ ጉተሬስ፡ እቶም ዕልዋ ዘካየዱ መራሕቲ’ውን፡ ሃገር በዚ መገዲ ክትምራሕ ከም ዘይትኽእል ክፈልጡ ኣለዎም ኢሉ።
ጉተሬስ፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ ዝበለ ኮይኑ “እዚ ዕልዋ መንግስቲ ዝፈሸለ ምዃኑ ንምርግጋጽ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ማያንማር እኹል ጸቕጢ ንክገብር ዝከኣለና ክንጽዕር ኢና” ክብል ተዛሪቡ።
ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ነቲ ፍጻመ እኳ እንተኾነንኦ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን ዘለዋ ቻይና ግን እቲ ንማያንማር ንምኹናን ዝግበር ዘሎ መግለጺ ኣይተቐበለቶን።
እታ ሃገር ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ከይበጽሓ ንዓመታት ዝተኸላኸለት ቻይና፡ ሕጂ’ውን እገዳ ወይ’ውን ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ነቲ ኩነታት ከጋድዶ’ዩ ትብል።
ቻይናን ሩሲያን ብሓባር ኮይነን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሙስሊም ሮሂንጂያ ብዝበጽሐ ግፍዒ ማያንማር ንከይትውቀስ ብተደጋጋሚ ክከላኸላ ምጽንሐን ይዝከር።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ማያንማር ይዝቲ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ንዝህሉ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ቻይና ክትቃወሞ ከም እትኽእል ይግመት።
መራሒት ማያንማር፡ ኣን ሳን ሱ ቺ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ክቆጻጸር እንከሎ ተኣሲራ፤ ትማሊ ድማ ክሲ ተመስሪቱዋ’ሎ።
ፖሊስ ማያንማር፡ ዝተፈላለየ ክስታት ብምድላው ክሳብ 15 ለካቲት 2021 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክትጸንሕ ምዃና ሓቢሩ።
ኣን ሳን ሱ ቺ ኾነት ፕሬዝደንት ዊን ምዪንት ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትው ንድሓር ድምጾም ኣይተሰምዐን።
ንሳ፡ ካብ መንጎ ‘ቶም ዝቐረቡላ ክስታት፡ ንግዳዊ ሕግታት ሰደድን ኣታዊን ምጥሓስን ዘይሕጋዊ መሳርሕታት ርክባት ምውናንን ዝብሉ ይርከብዎም።
ኣን ሳንሱ ቺ፡ ኣበይ ቦታ ተኣሲራ ከምዘላ’ኳ ብንጹር ኣንተዘይተፈለጠ፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ከም ዘላ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ሚን ሚያንት ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ናይቲ ዝሓለፈ መረጻ፡ ኣዋጃት ኮሮናቫይረስ ብምጥሓስ ልዕሊ 220 ዝኾኑ ደገፍቱ ኣብ ሓደ ምጽቕቓጥ ዝነበሮ ጸቢብ ኣዳራሽ ኣኪብካ ዝብል ክሲ እዩ ቀሪብሉ ዘሎ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ዝተቛረጸ ኮይኑ፡ ኩባኒያታት ቴሌኮም መጥቀሚታት ማሕበራዊ ሚዲያ ክዓጽው ካብቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦም ይግለጽ።
ኣብተን ዝሓለፋ መዓልታት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣንጻር እቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ንምጉስጓስ ናይ ፌስቡክ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ነይሮም።
ኣብሚያንማርእንታይእዩኣጓኒፉ?
ብሰኑይ ኣጋ ወጋሕታ፡ ሰራዊት ማያንማር ንመራሒት'ታ ሃገር፡ ኣን ሳን ሱ ቺን ካልኦት መራሕትን ኣብ ቀይዲ ብምእታው’ዩ ስልጣን ተቖጻጺሩ።
እቲ ዕልዋ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ'ቲ ብሱ ቺ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስትን ሰራዊት እታ ሃገርን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ስዒቡ እዩ ተፈጺሙ።
ኣብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ፡ ብኣን ሳን ሱ ቺ ዝድገፍ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲ (NLD) ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም እኹል መናብር ተዓዊቱ ነይሩ።
ብሰኑይ፡ ሓድሽ ፓርላማ ቀዳማይ ኣኼባኡ ቅድሚ ምክያዱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብሰንኪ ኣብ'ቲ መረጻ ዝተፈጸመ ዝበሎ ምትላል፡ ስልጣን ናብ ኣዛዚ ናይ’ቲ ሰራዊት ጀነራል ሚን ኣንግ ህሌንግ ከምዘሰጋገረ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ከም ዝተኣወጀን ስልጣን ናብ ሰራዊት ምስግጋሩን መደበር ተሌቪዥን ሰራዊት ኣዊጃ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ነጠፍቲ ማያንማር ሲቪላዊ እብያ ክግበር ይጽውዑ ኣለዉ።
ኣብ ጎደናታት ዝዓበየት ከተማ ናይ’ታ ሃገር ‘ያንጎን’ ድማ፡ ሰባት "እቲ ብተሪር ቃልስና ዘምጻእናዮ ስርዓት ዲሞክራሲ መሊስና ስኢናዮ ኢሎም" ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።
እቲ ንሓጺር እዋን ዝረኣይዎ ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ብሓጺሩ ከም ዝተቖጸየ ይስመዖም።
ብመንግስቲ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ወይዘሮ ኣን ሳን ሱ ቺ ክትፍታሕ ብምጥላብ፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ጀሚሮም ኣለዉ።