እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣልሻባብ፡ ኣብ ሞቃዲሾ ሰበስልጣን ኣብ ዝነበርሉ ሆቴል መጥቃዕቲ ፈጺሙ
ዕጡቓት ኣልሻባብ ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ዝርከብን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝርከብሉን ሆቴል ኣፍሪቅ፡ መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ኾይኖም ምስ ገለ ሓይልታት ጸጥታ ድማ ተዋጊኦም።
ነቲ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ዘጓነፈ መጥቃዕቲ፡ ኣልሻባብ ሓላፍነት ከም ዝወስደሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ መጥቃዕቲ መጀመርታ ኣብ መኪና ብዝተጸምደ ነትጒ እዩ ጀሚሩ።
በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ሮይተርስ ግና ኣብ ጸብጻቡ ብዝሒ መወትቲ ትሸዓተ ኣብጺሕዎም።
እዚ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ከም ዝለዎ ዝንገረሉ እስላማዊ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ኣካላት ተደጋገሚ መጥቓዕቲታት ምፍጻሙ ዝዝከር እዩ።
መጀመርታ እታ ነታጒ ዝሓዘት መኪና እያ ኣብ ፊትንፊት እቲ ሆቴል ተላቲማ።
መሰኻኽር ዓይንን ሰብ ስልጣን መንግስትን ከም ዝበልዎ፡ ካብኡ ድማ ሽዑ ንሽዑ፡ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ሆቴል ኣትዮም።
ሓደ ሮይተርስ ዘዛረቦ ኣሕመድ ኑር ዝበሃል ናይ ዓይኒ ምስክር፡ "ኣብቲ ሆቴል ውሽጢ እናውጋዕና እንተለና፡ እቲ ነትጒ ነቲ ሆቴል ኣንቀጥቂጥዎ። ካብኡ ተጨኒቕና እንገብሮ ኣይንፈልጥን ነይርና" ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ፖሊስ ንሮይተርስ ከም ዝበሎ፡ "ሕዚ እቲ ስርሒት ኣብቂዑ እዩ። ንኣርባዕተ ካብቶም ዕጡቓት ሓዊሱ፡ ትሸዓተ ሰባት እንትሞቱ፤ ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ድማ ቆሲሎም። መብራህቲ ድማ ግስም ኢሉ" ብምባል ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ'ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣስፊሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሓመድ ሁሴን ሮብሌ፡ ኣብ መግለጺኡ ካብቶም ግዳያት ዝኾኑ ሓደ ሞሓመድ ኑር ጋላል ዝተባህለ ወተሃደራዊ ጀነራል ነበር ከም ዝርከቦም ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት ኣልሻባብ መጥቃዕቲ ዝፈነውሉ ኣፍሪቅ ሆቴል፡ ኣብ ጥቓ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቃዲሾ ዝርከብን ሓያሎ ሓለዋ ዝግበረሉን ከም ዝኾነ ኣብ ሞቃዲሾ እትርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቤላ ሓሰን ተዛሪባ።
ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሆቴል ገለ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ከም ዝነበሩ ናይቲ ከባቢ ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ሆቴል ድማ፡ ሰበ ስልጣናት ብተደጋገሚ ዝእከብሉን ዝርከብሉን ከም ዝኾነ ይዝረብ።
ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓያል ትክን ባርዕን ዘርእዩ ምስልታት ተራእዮም።
እዚ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ልዕሊ 700 ዝኾኑ ወተሃደራት ኣመሪካ ክወጽኡ ምስ ገበረ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት እዩ ዘጓንፍ ዘሎ።
እቲ ስጉምቲ፡ ኣብታ ኣብ መጻኢ ወርሒ መረጻ ክተካይድ ትዳሎ ዘላ ሃገር ሶማልያ፡ ካልኦት ዘይምርግገዓት'ውን ከስዕብ ከም ዝኽእል ይስጋእ።