እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዲስ ኣበባ፡ ልዕሊ 21 ሽሕ ኣባይቲ ኮንደምንየም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተታሒዞም ተረኺቦም ተባሂሉ
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 21,695 ኣብ ሓበራዊ መንበሪ (ኮንዶሚንየም) ዝርከቡ ኣባይቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተታሒዞም ከምዝተረኽቡ ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊጻ፡፡
ንሳ፡ ብዛዕባ’ቲ ዘይሕጋዊ ውራ መሬት፣ ዋና ዘይብሎም ህንጻታትን ናይ ኮንደሚንየምን ቀበሌን ገዛውትን ኣመልኪቱ ዝተገበረ መጽናዕቲ መግለጺ ሂባ፡፡
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ 1,338 ሄክታር መሬት ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ተሰጋጊሩ፣ 21,695 መንበሪ ኣባይቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተታሒዞም ጸኒሖም።
ኣስታት 322 ህንጸቶም ዝተዛዘመን ኣብ ከይዲ ዝርከቡን ህንጻታት ድማ ዋና ዘይብሎም ከምዝተረኸቡን 14,642 ንመንበርን ንንግድን ዝተኻረዩ ናይ ቀበሌ ገዛውቲ ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ተታሒዞም ከምዝተረኸቡ ተገሊጹ፡፡
ካብቶም ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ዝተታሕዙ 21,695 ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ፡ እቶም 15,891 ናይ ዋንነት ሰነድ ከምዘይቀረበሎም ወ/ሮ ኣዳነች ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ፡፡
ብተመሳሳሊ 850 ኣባይቲ ተዓጽዮም፡ 4,530 ድማ ተኸፊቶም ተረኺቦም ኢላ፡፡
ብተወሳኺ 424 ሕጋዊ ብዘይኮነ መልክዑ ብውልቀ ሰባት ከም ዝተታሕዙን፡ 51,064 ገዛውቲ ካብ ዕጫ ወጻኢ ብኻልኦት ኣገባባት ናብ ሰባት ተሰጋጊሮም ከምዝተረኸቡምን እታ ምክትል ከንቲባ ተዛሪባ፡፡
ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ( ኢዜማ) ዝተባህለ ውድብ ናብዚ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ ዝፈላለዩ ክፍለ ከተማታት እናተጋደደ ዝመጸ፡ ብኣካላት መንግስቲ ዝተሓገዘ ውራ መሬትን ፍትሓዊ ዘይኮነ ዕደላ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይትን ከምዘሎ ብዘካየዶ መጽናዕቲ ኣረጋጊጽ ክብል ከሲሱ ነይሩ’ዩ።
ኣብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ዘሎ ዝርዝር ዕጫ ዝበጸሖም ሰባትን ገዛ ሒዞም ዝርከቡ ተጠቀምትን ዘሎ ኣፈላላይ 132,678 ከምዝኾነን 18,423 ኣባይቲ ድማ ሽም ዋና ከምዘይብሎምን ተሓቢሩ ኣሎ፡፡
ኣብቶም ገዛውቲ ዝነብሩ ሰባት መርትዖ ከቕርቡ ብተደጋጋሚ ተሓቲቶም ዘየቕረቡ ወይ ከቕርቡ ዘይደለዩ ብምዃኖም እቶም ኣባይቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተታሕዙ ምዃኖም ብመጽናዕቲ ከምዝተፈለጠ ገሊጻ፡፡
እታ ምክትል ከንቲባ ኣብ መግለጺኣ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ 121 ወረዳታት ኣብቶም 88 ብዝተፈጸመ ውራ መሬት 1,338 ሄክታር መሬት ከምዝተወረረን 322 ህንጻታትን ገዛውትን ዋና ዘይብሎም ከምዝተረኸቡን ጠቒሳ፡፡
ስፍሓት እቶም ዋና ዘይብሎም ዝተባህሉ ህንጻታት ድማ 229,556 ካሬ ይበጽሕ፡፡
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 150,737 ናይ ንግድን መንበርን ኣባይቲ ኣለዉ። ንሳ ከምዝበለቶ፡ ካብቶም ዝተጸንዑ 138,652፡ እቶም 10,565 ገዛውቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተታሕዙ’ዮም።
ብተመሳሳሊ 2,207 ናይ ቀበሌ ገዛውቲ ናብ ውልቀ ሰብ ከምዝተዘዋወሩ፣ 265 ገዛውቲ ብሳልሳይ ኣካል ከምዝተትሓዙን 164 ኮንደሚንየማት ድማ ናይ ባዕሎም ገዛ ብዘለዎም ሰባት ተታሒዞም ተረኺቦም።
ብዘይካ’ዚ፡ 137 ንመንበሪ ዘገልግሉ ናይ ቀበሌ ገዛውቲ ንውልቀ ሰባት ከምዝተሸጡ፣ 1,243 ተዓሺጎም ከምዝተቐመጡ፣ 5,043 ዝፈረሱን 180 ኣድሻኦም ዘይፍለጥ ወይ ዝጠፍኡ ናይ ቀበሌ ገዛውቲ ከምዘለዉ ተዛሪባ፡፡
ኣብታ ከተማ ተፈጺሙ ዝተባህለ ውራ መሬት፡ ናጻ ዝጸንሐ ናይ መንግስቲ መሬት ብሓይሊ ብምውሳድ ከምዝተፈጸ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ተግባር ብውልቀ ሰባትን ብትካላት ሃይማኖት ሓዊሱን ዝተፈጸመ ከምዝኾነ እታ ምክትል ከንቲባ ተዛሪባ፡፡