እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባንግላደሽ፡ 15 ሽሕ መንበሪ ገዛውቲ ተቓጺሉ
ኣብ ርእስ ከተማ ባንግላደሽ ዳካር፡ ከባቢ 15 ሽሕ ገዛውቲ ብምቅጻሉ ሓምሳ ሽሕ ሰባት ብዘይ መንበሪ ገዛ ከም ዝተረፉ ተገሊጹ።
እዚ ቸላነቲካ ኣብ ዝተባህለ ሰፈር ድኻታት ዘጋጠመ ሓያል ባርዕ፡ ኣብ ንብረትን መንበሪ ኣባይቲ እቶም ድኻታትን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘውረደ ተሓቢሩ።
ናሕሲ እቲ ገዛውቲ ብፕላስቲክ ዝተሰርሐ ብምንባሩ፡ እቲ ሓዊ ቀልጢፉ ክላባዕ ሓጊዝዎ።
በቲ ሓዊ ብዙሓት ሰባት ክቖስሉ እንከለው፡ ኣብ ሂወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግን የለን።
ብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ትሑት እቶት ዘለዎም ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝበዝሑ ሰባት በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ከብዕሉ ናብ ካልእ ቦታታት ከይዶም ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ።
እቲ ባርዕ ሓዊ፡ ብኸመይ ከም ዝተጀመረ ክሳብ ሕጂ ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን።
መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከእትውዎ ልዕሊ ሽድሽተ ሰዓት ከም ዝወሰደሎም ተፈሊጡ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብዘይ መዕቖቢ ተሪፎም ዘለው ሰባት፡ ሓገዝ ከም ዝገብረሎም ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት'ውን ኣብ ታሪኻዊ ዞባ ዳካር ብባርዕ ሓዊ ኣስታት 80 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝዝከር እዩ።