ኣማንዳ ጎርማን፡ ኣብ መዓልቲ ቃለ መሓላ ጆ ባይደን 'ንሓድነትን ሕብረትን' ዝጸውዐት ገጣሚት

ኣማንዳ ጎርማን ኣብ ታሪኽ ስነስርዓት ፕረዚደንታዊ ቃለ-መሓላ ኣሜሪካ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ግጥሚ ዘቕረበት ሰብ ኮይና። ንሳ ጽሒፋ ኣብ ዘቕረበቶ ግጥሚ 'ንሓድነትን ሕብረትን' ጸዊዓ።

እታ ጓል 22 ዓመት ገጣሚት 'ንሓኹሮ ዘለና ዓቐበት' [The Hill We Climb] ብዝብል አርእስቲ ኣብ ዘቕረበቶ ግጥሚ ነቲ ኣብ ዋሺንግተን ዝተረኸበ ዕዱምን ብደረጃ ዓለም ነቲ ስነስርዓት ዝከታተል ዝነበረ ህዝብን መልእኽቲ ኣሕሊፋ'ላ።

"ምስ ወግሐ፤ ኣብ ውሽጢ'ቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጽልግልግ ኣበይ ብርሃን ክንረክብ እኽእል? ኢልና ኢና ንነብስና ንሓቶ" ክብል ይጅምር እቲ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ዝጸንሐ ግጥማ።

ኣማንዳ ነቲ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ህንጻ ኮንግረስ ኣሜሪካ ['ካፒቶል'] ንዘጋጠመ ናዕቢ'ውን ኣብ ግጥማ ገሊጻቶ።

ኣማንዳ ንነብሳ 'ደቃቕ ጸላም ጓል፡ ብባርነት ካብ ዝተገዝኡ ሓረግ ከምዝተረኸበትን ፕረዚደንት ናይ ምዃን ሕልሚ ክህልዋ ዝኽእል ኣደ ከምዘዕበየታን' ኣብ ግጥማ ገሊጻ።

ኢዲተር ስነጥበብ ዊል ጎምፐርተዝ እታ ፈላሚት መንእሰይ 'ሎሬት' ግጥሚ ዕውት ስራሕ ከምዘቕረበት ይገልጽ። ኣብ ትኽክለኛ ጊዜ ትኽክለኛ መልእኽቲ ከምዘሕለፈት'ዩ ዘመልክት።

እቲ ግጥሚ ኣዝዩ ሰሓቢ ብዝኾነ መንገዲ ዝቐረበን ንሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዝበቅዕን ምንባሩ ዝሕብር ዊል፡ ግጥማ ብጊዜን ቦታን ከይተገደበ ንነዊሕ እዋን ክሳገር ከምዝኽእል የረድእ።

"ኣማንዳ ጎርማን መልእኽታ ብግርማ ተመሊኣ'ያ ኣቕሪባቶ። ኣብቲ ግጥማ ዘለዉ ቃላት ሎሚ፣ ጽባሕ ዋላ ኣብ ርሑቕ መጻኢ ናብቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ከስተጋብኡ እዮም" ኢሉ።

ገጣሚት ኣመንዳ ኣብ 2017 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ሃገራዊት መንእሰይ ሎሬት ግጥሚ ዝብል ክብሪ ረኺባ። ንሳ ንኸም ሮበርት ፍሮስትን ማያ ኣንጌሉን ዝበሉ ፍሉጣት ገጠምቲ ኣሰር ብምስዓብ ናብዚ ከምዝበቕዐት ትዛረብ።

"ቃላተይ ንሕድነት፣ ምትሕብባርን ሕብረትን ዘመልክቱ ገይረ ክጥቀመሉም እየ ዝደልይ" ኢላ ነይራ ቅድሚ እቲ መድረኽ ምስ ቢቢሲ 'ኒውስ ኣወር' ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት።

ንሳ ነቲ ዝጸሓፈቶ ግጥሚ ዘቕረበትሉ መገዲ'ውን ሰፊሕ ናእዳ ዘትረፈ ኮይኑ'ሎ።

ፍልጥቲ ኣቕራቢት ፕሮግራም ቴሌቪዥንን ተዋሳኢትን ኦፕራ ዊንፍረይ፡ ነታ መንእሰይ ጓልኣንስተይቲ ከምዚ ደሚቓ ብምርኣያ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ብትዊተር ሓቢራ።

ሓላፊ ትካል ረድኤት 'ሜዲሲንስ ሳንስ ፍሮንቲርስ' ዝነበረት ጆኣኔ ሊው ብወገና "ንነዊሕ እዋን ዝለዓለ ምልዕዓል ዝፈጥር 5፡43 [እቲ ግጥሚ ዝተነበበሉ ጊዜ] ደቓይቕ" ክትብል ነቲ ግጥሚ ገሊጻቶ።

ሚሸል ኦባማ ከኣ "ተሪርን ዘነቓቕሕን ቃላት" ዝሓዘ ግጥሚ ምንባሩ ብምግላጽ "ኣንጸባራቒት ኮይንኪ ቐጽሊ ኣማንዳ!" ክትብል ንኣማንዳ ጎርማን ንኢዳታ።

ኣሜሪካዊት ፖለቲከኛን ተጣባቒት መሰላትን ስታሰይ ኣብራምስ እውን "ንኹላህና ዘነቓቕሕ" ክትብል ንግጥሚ ኣምንዳ ዘለዋ ናእዳ ኣስፊራ።

ኣብ ፕረዚዳንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ኮይና ቀሪባ ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ኣማንዳ ኣብ 2036 ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር ከምእትኽል ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

"ነዚ ንምርኣይ ሃሪፈ ኣለኹ" ክትብል'ውን ኣብቲ ጽሑፋ ሓቢራ።

ሎሬት ግጥሚ ኣንጌላ ጃክሶን ካብ ኢሊኖይስ ድማ በቲ ግጥሚ ዕግብቲ ምንባራ ብምሕባር "ብሓቂ ዝተመልአ" ኢላቶ።

"መንእሰይን በላሕን ብምዃና ከኣ ብጣዕሚ ተገሪመ ነይረ" ክትብል ንጋዜጣ ቺካጎ ሰን-ታይምስ ሓቢራ።

ኣማንዳ ኣብ ስነስርዓት ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግጥሚ ክተንብብ ምዃና ምስፈለጠት ክትቆጻጸሮ ዘይከኣለት ሓጎስ ከምእተሰምዓ'ያ ትዛረብ።

"ሃንቀውታ፣ ታሕጓስ፣ ክብርን ምቕሉልነትን" ከምዝተሰምዓ ብምዝኽኻር "ብተመሳሳሊ ከኣ ውሽጣዊ ራዕዲ ከምዝፈጠረላ" ኣረዲኣ።

ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ናዕቢ ኣብ ዝወልዑሉ እዋን ነቲ ትማሊ ዘቕረበቶ ግጥሚ ጽሒፋ ወዲኣቶ እንተትኸውን ብህጋ እትገልጽ ኣማንዳ "ነቲ ዝነበረ ኩነታት ምገለጸ" ኢላ።

ኣማንዳ ብ1998 ኣብ ሎስኣንጀለስ ተወሊዳ። ገና ቆልዓ ኮይና ድማ ናይ ምዝራብ ጸገም (ወታእታእ ናይ ምባል ጸገም) ነይርዋ።

"እዚ ከኣ ነቲ ሕዚ ዘለኹሉ ብቕዓትን ናብ ዝነበረኒ ጸሓፊት ዛንታ ናይ ምዃን ባህግን ኣብጺሑኒ" ክትብል ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሎስኣንጀለስ ታይምስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት ገሊጻ ነይራ።

ጎርማን ገና ጓል 16 ዓመት እናሃለወት'ያ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ መንእሰይ ሎሬት ገጣሚት ክትኸውን በቒዓ። ብድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ሶሺዮሎጂ እናተምሃረት ከላ ሃገራዊት ሎሬት ኮይና።

ፋላሚ መጽሓፋ ኣብ 2015 ተሓቲሙ፤ ኣብዚ ዓመት ከኣ ብስእሊ ዝተሓገዘ መጽሓፍን ካልኦትን ክተሕትም ውጥን ኣለዋ።