እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦቢ ዋይን፡ “ንህይወተይን ህይወት በዓልቲ ገዛይን ተጨኒቐ ኣለኹ”
ኣብቲ ዮዌሪ ሙሴቨኒ ሰዒሩ ተባሂሉ ዝተኣወጀሉ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኡጋንዳ፡ ቀንዲ ተነሓናሒ እቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ቦቢ ዋይን ንህይወቱ ከምዝፈርሕ ስግኣቱ ገሊጹ።
እቲ ካብ ስነ-ጥበብዊነት ናብ ፖለቲከኛነት ዝተቐየረ ቀንዲ ተቓዋሚ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ከምዘይቅበሎ ንቢቢሲ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
ንሱ፡ በዙሕ ምትላላት ዝመልኦ ንዝበሎ ከይዲ መረጻ፡ እቲ ፕረዚደንት ግን ኣብ ታሪኽ ኡጋንዳ ኣዝዩ ነጻን ፍትሓዊን መረጻ ኢልዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሙሴቨኒ ከምዝሰዓረ ዕላዊ ዝገበረ ኮሚሽን ሃገራዊ መረጻ ድማ፡ ቦቢ ዋይን ቅረትኡ ብመርተዖ ከቕርብ ሓቲቱ ኣሎ።
ቦቢ ዋይን፡ ኢንተርኔት መስተኸፍተ ብምስልን ዝተደገፈ መረዳእታ ከምዘቕርብ ተዛሪቡ ኣሎ።
እቲ መረጻ ኣብ ታሪኽ ኡጋንዳ እቲ ዝኸፍአን ልዑል ምትላልን ጎንጽን ዝተመልአን ምንባሩ ዝገልጽ ቦቢ ዋይን፡ እቲ ቓልሲ ገና ይጅምር ኣሎ ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ድሮ እቲ መረጻ ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶም እዮም።
መንግስቲ ግን እቲ መረጻ ነጻን ሰላማዊን ምንባሩ ይገልጽ።
ካብ ኮሚሽን መረጻ ኡጋንዳ ዝወጽአ ውጽኢት ከም ዘመላኽቶ ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ልዕሊ 58 ሚኢታዊት ረኺቡ ኣሎ።
ተነሓናሒኡ ሮበርት ክያጉላንያ (ቦቢ ዋይን) ድማ 34 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝርከብ ሓበሬታ’ቲ ኮሚሽን የመልክት።
ኣብዚ ሰሙን ብመሰረት ሰብ መዚ እታ ሃገር ማሕበራዊ ሚዲያን ቪፒኤንን ክዕጾ ዝሃቡዎ መምርሒ: ኩሎም ዓይነታት ማሕበራዊ ሚዲያ ዛጊድ ተዓጽዮም ይርከቡ።
እዚ ድማ፡ ነቲ ቆጸራ ድምጺ ኾነ ብሓፈሽኡ ነቲ ከይዲ፡ ከምዝጎደኦ እዩ ዝዝረብ።
ሓደ ሚኒስተር እታ ሃገር ግን ኢንተርኔት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝኽፈት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቦቢ ዋይን እንታይ እዩ ኢሉ?
ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ድሮ እቲ መዓልቲ እቲ መረጻ ኣትሒዙ፡ ንመንበሪ ገዛ ቦቢ ዋይን ኸቢቡዎ እዩ ቐንዩ።
ቦቢ ዋይን ምስ ቢቢሲ ብስልኪ ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሓትት፡ “ንህይወተይን ህይወት በዓልቲ ገዛይን ተጨኒቐ ኣለኹ” ኢሉ።
ዝኾነ ሰብ ናብ ገዝኡ ክኣቲ ኮነ ክወጽእ ከምዘይፍቀደሉ ዝተዛረበ ቦቢ ዋይን፡ ዝኾነ ጋዜጠኛ ከይረኽቦ ድማ ከምዝተኸልከለ ተዛሪቡ።
ነቲ መረጻ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ፡ ዝኾነ ዓለም ለኸ ኣካል ኣይተዓዘቦን።
ተዓዛቢ ጋንታ ኣመሪካ፡ ኣብዝሓ ኣባላት እቲ ጉጅለ መእተዊ ቪዛ ስለ ዝተኸልከሉ፡ ነቲ መረጻ ከይተዓዘበ ተሪፉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳ ኾነ ካልኦት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ መረጻ ስክፍታ ኣለዎም።