መረጻ ኡጋንዳ 2021፡ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ

ኣብ መረጻ ኡጋንዳ 2021፡ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ክመርሓ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ከምዝተዓወተ ሓለፍቲ ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መረጻ ቀንዲ ተናሓናሒ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኮይኑ ዝቐረበ ቦቢ ዋይን ግና ምትላል ከምዝነበረ ይኸስስ።

ኮምሽን መረጻ ኡጋንዳ ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ 59 ምኢታዊት ክረክብ ከሎ፡ ቦቢ ዋይን ድማ 35 ምኢታዊት ውጽኢት ረኺቡ።

ዩጋንዳ ዘካየደቶ መረጻ ኣብ ታሪክ እታ ሃገር ‘‘ካብ ምትላል ዝጸረየ’’ መረጻ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ እቲ ፕረዚደንት ዝገልጽ።

ተነሓናሒ ሙሰቨኒ ፡ ነበር ኮኸብ ሙዚቃ ፖፕ ቦቢ ዋይን ግና፡ ምጥፍፋእ ድምጺ ከምዝነበረ ዘርእዩ መረዳእታታት ኢንተርነት ምስተኸፈተ ከቕርብ ምዃኑ ተሓንዩ።

መንግስቲ እታ ሃገር ቅድሚ መዓልቲ መረጻ ኢንተርነት ዝዓጸወ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቖጸራ ዝነበሮም እምነት ከምዝላሕለሐ ዝገለጹ ተቖጻጸርቲ መረጻ ግን ነቲ ተግባር ኮኒኖምዎ።

ቦቢ ዋይን ምስ ቢቢሲ ብቴሌፎን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ካብ ገዝኦም ከይወጹ ብወታሃደራት ከምዝተኸልከሉ ተዛሪቡ።

‘‘ዝኾነ ሰብ ካብ ገዛና ከይወጽእን ናብ ገዛና ከይኣቱን ተኸልኪሉ እዩ፤ ጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ይኹን ወጻኢ እውን ናብ ገዛይ መጺኦም ከይረኽቡኒ ተኸልኪሎም እዮም’’ ኢሉ።

ኣብ እዋን ወፍሪ መረጻ ብዝተወልዐ ጎንጺታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ ተቓወምቲ ድማ ብመንግስቲ ከምዝተንከላበቱ ከሲሶም እዮም።

ንሻድሻይ እብረ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእሎ ዓወት ከምዝረኸበ ዝገለጸ ወዲ 76 ዓመት ሙሰቨኒ፡ ነታ ሃገር ካብ 1986 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ዝመርሓ ዘሎ እንትኾን፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ክዓስል ከምዝገበረ እዩ ዝገልጽ።

ቀንዲ ተናሓናሒኡ ዝኾነ ብቦቢ ዋይን ዝፍለጥ ወዲ 38 ዓመት ሮበርት ክያጉላኒ ድማ ኣብታ ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ንኡሳት ዝርከቡላ ሃገር ደገፍ መናእሰይ ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።

ኮምሽን መረጻ ኡጋንዳ እንታይ ኢሉ?

ትማሊ ቀዳም፡ ኣቦ መንበር ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ጀስቲስ ብያባካማ ‘‘ዩወሪ ሙሰቨኒ ሙሩጽ ብረዚደንት ዩጋንዳ ከምዝኾነ መረጻ ኮምሽን ይእውጅ’’ ብምባል ተዛሪቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ካብቶም ንምምራጽ ዝተመዝገቡ 18 ሚልዮን ሰባት እቶም 57 ምኢታዊት ጥራሕ ከምዘድመጹ ሓቢሩ።

ኣቐዲሙ እቲ ከይዲ ድምጺ ምሃብ ሰላማዊ ከምዝነበረ ዝሓበረ እቲ ኣቦ መንበር፡ ቦቢ ዋይን ነቲ ኣለኒ ዝብሎ ምትላል ከምዝነበረ ዘርእይ መረዳእታታት ዕላዊ ክገብር እውን ጸዊዑ እዩ።