ሲሸልሽ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብምጅማር ካልአይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና

100 ሽሕ ዘይመልእ ህዝቢ ዘለዋ ሲሸልስ ንዜጋታታ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትህብ ጀሚራ።

በዚ ድማ ካብ ጊኒ ቀጺላ ንዜጋታት ትኸትብ ዘላ ካልአይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና።

ጊኒ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተቐበለቶ ኣብ ሩስያ ዝፈረየ ስፑትኒክ ቪ [Sputnik V] ንዜጋታት ትኸትብ ምህላዋ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዋቨል ራምካላዋና ትማሊ ሰንበት ነቲ ክታበት ዝወሰደ ፈላሚ ሰብ ኣብ ሲሸልስ ኮይኑ’ሎ። ንሱ ዝተኸተበሉ ኩነታት ድማ ብቐጥታ ፈነወ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት “ካልእ ዝተለመደ ዓይነት ክታበት ይወስድ ከምዘለኹ ተሰሚዑኒ” ክብል ዜጋታት ነቲ ክታበት ክወስዱ ኣተባቢዑ።

እታ ደሴት ሃገር 50 ሽሕ ኣብ ቻይና ዝፈረየ ዓይነት ክታበት ካብ ሕቡራት ኢሚሬትስ ዓረብ ብሓገዝ ከምዝረኸበት ተገሊጹ’ሎ።

ሎሚ ሰኑይ ንሰብ ሞያ ሕክምና ብምኽታብ እቲ ወፍሪ ከምዝጅመር ዘፍለጡ ሰብመዚ እታ ሃገር፤ ብምስዓብ ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ነቲ ክታበት ክወስዱ ከም ዝግበር ሓቢሮም።

ዝተረፉ ዜጋታት ድማ ብድሕሪኡ ክኸተቡ እዮም።

እታ ሃገር ካብ ዘለዋ 98 ሽሕ ህዝቢ ነቲ 70 ሚኢታዊት ኣብ ውሽጢ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ አዋርሕ ኣብ ዘሎ ጊዜ ንምኽታብ ትልሚ ሒዛላ።

ሲሼልስ ዛጊድ 508 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ክግለጽ ከሎ ሓደ ሰብ ጥራይ ሞይቱ።

ግን ከኣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝረኣይ ዘሎ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ንሰበስልጣን ኣስጊኡ’ሎ።

ብቐዳም ጥራይ ብውሕድ 57 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።