ፕረዚደንት ዚምባብወ ኣሜሪካ ንካልኦት ሃገራት ክትቐጽዕ 'ሞራላዊ መሰል የብላን' ኢሉ

ፕረዚደንት ዚምባብወ ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ነቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣሜሪካ ደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር 'ካፒቶል' ዝገበርዎ ዕግርግር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ንኣሜሪካ ዘሊፉ።

ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣሜሪካ "ብስም ዴሞክራሲ ንካልኦት ሃገራት ክትቐጽዕ ሞራላዊ መሰል የብላን" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን ኣሜሪካ ንዚምባብወ ግዳይ"ኣሰቃቒ" ቁጠባዊ እገዳ ከም ዝገበረታ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ደገፍቱ ናብ ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ ክኸዱን ንመስርሕ ምርግጋጽ ድምጺ ምርጫ ፕረዚደንት ከዕንቅፉን ከም ዝደፋፍአ ተገሊጹ እዩ።

ፕረዚደንት ምናንጋግዋ ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ "ብኣጋጣሚ ምርግጋጽ መበል 46 ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ንምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ደጊመ እንቋዕ ሓጎሰካ ክብሎ እደሊ። ዚምባብወ ከም ወትሩ ምስ ኣሜሪካ ሓቢራ ንምስራሕ ድልውቲ እያ" ኢሉ።

ኣሜሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን፡ ኣብ ዚምባብወ ኣብ ደሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ነጻነት ፕረስን ምምሕያሽ ከም ዘየሎ ብምግላጽ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ከም ዘለዎ ክቕጽል ወሲነን እየን።

እቲ እገዳታት ንዝተወሰኑ ውልቀሰባትን ትካላትን ዘተኮረ እዩ።