እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ ሮይተርስ ኩመራ ገመቹ ካብ ቀይዲ ፈቲሑ
ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝኾነ ስኣሊ (ካሜራማን) ኩመራ ገመቹ ን12 መዓልታት ብዘይክሲ ተቐይዱ ድሕሪ ምጽንሑ ሎሚ ሰሉስ ከምዝተፈትሐ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሮይተርስ ንጠበቕኡ ብምጥቃስ ከምዝበሎ፡ ምስ ምዝርጋሕ ስኑዕ ሓበሬታ፡ ምስቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ጉጅለታት ርክብ ከይህልዎን፡ ምዝራግ ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ብዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ። ዝቐረበሉ ጭብጢ ከምዘይነበረ'ውን ጠቒሱ።
እቲ ጋዜጠኛ ተፈቲሑ ምስ ቤተሰቡ ክራኸብ ብምኽኣሉ ሓጎስ ከምዝተሰምዖም ዋና ኣሰናዳኢ ሮይተርስ ስቲፈን ጀይ ኣድለር ገሊጹ። "ሞይኡ ዘኽብር ጋዜጠኛ'ዩ" ክብል'ውን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ቤተሰቡ'ውን ብምፍትሑ ዝተሰምዖም ሓጎስ ከምዝገለጹ እቲ ትካል ተዛሪቡ'ሎ።
ብወገን መንግስቲ ግን ብዛዕባ ምፍትሑ ዝተዋህበ መግለጺ የለን ተባሂሉ።
ኩመራ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ'ዩ ኣብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብፖሊስ ተወሲዱ ከምዝተኣስረ በዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ ምንባራ ይዝከር።
እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ኣገልግሎት ዜና፡ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተኣሰረ ሓቲቱ ሽዑ ምላሽ ከምዘይረኸበ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ወዲ 38 ዓመት ጋዜጠኛ ምስ ሮይተርስ ን10 ዓመታት ከምዝሰርሐ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ብዘምጽኦ ለውጢ ኣብ ፈለማ ናእዳ ረኺቡ፡ ሽልማት ኖበል ሰላም ዝረኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ድሒሩ ብምእሳር ጋዜጠኛታትን ግህሰት ሰባዊ መሰላትን ይኽሰስ ምህላዉ ይፍለጥ።